ሰላም
ሰላም ማለት ጸጥታ ፣ ዕረፍቲ ፣ ርግኣት ፣ ዕግበት ማለት ክኸውን ከሎ ፣ ኣብ ነንሕድሕድካ ምስምማዕ ፣ ሓቢርካ ምንባር ምኽአል ናይ ዕረፍቲ ስምዒት ከም ዝኾነ ናይ መጽሐፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት የረድኣና ። ነቢይ እግዚኣብሔር ዳዊት ከምዚ ይብል “ ንሰላም ድለያ ፣ ሰዓባ ውን’ ኢሉ ቅድሚ ምዝራቡ ፣ ናብ ክፍሊ መጽሐፍ እቲ ዘልዓልናዮ ኃይለ ቃል ምሉእ ሓሳቡ ንምርዳእ ምልስ ኢልና ምስ እንምልከቶ ከምዚ ዝብል ቃል ንረክብ “11ደቀየ ፍርሃት እግዚኣብሔር ክምህረኩምሲ ንዑ ስምዕኒ። 12ህይወት ዝፈቱ ጽቡቕ መዓልታት ክርኢ ዝደሊ ሰብ መን ኣሎ ፣ 13መልሓስካ ካብ እከይ ፣ ኸናፍርካ ውን ካብ ምዝራብ ጥልመት ሓሉ ። 14ካብ እከይ ርሐቕ ሰናይ ከአ ግበር ፣ ንሰላም ድለያ ሰዓባ ውን” ይብል ። መዝ 34፡11-14
ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ሰላም እንደልየሉ ምኽንያት ኣብዚ ዝረአናዮ ኃይለ ቃል ገሊጽልና ። ከም ኣቦነቱ ደቂ እግዚኣብ ሔር ንዝኾንና ንዓና ከስተምህረና ዝተፈቕደሉን ፣ ቅዱስ ዳዊት ንባዕሉ ነዚ ነገር እዚ ገንዘቡ ስለ ዝገበረ ብእግዚኣብሔር ከም ልበይ ተባሂሉ ዝተመርጸሉን ጥበብ ስለዝኾነ ንዓና ከካፍለና ከሎ “ንእግዚኣብሔር ምፍራህ ከስተምህረኩም ኢየ በለ ። ምኽንያቱ ንእግዚኣብሔር ምፍራሕ ቅድሚ ኩሉ ስለዝኾነ ። ነዚ ኢዩ ድማ ኣቦን ወድን ( ቅዱስ ዳዊትን ፣ ሰለሞንን) ተቐባቢሎም መጀመርታ ናይ ጥበብ ንእግዚኣብሔር ምፍራሕ ምዃኑ ዝነገሩና ። መዝ 111፡10 ፡ ምሳሌ 1፡7 ፡ ምሳሌ 9፡10 ።
ካብ ኵሉ አቐዲምና ኣብ ሕይወትና ንእግዚኣብሔር ምፍራሕ ትርጉም ንዘለዎ ሕይወት ኣድላዪ ኢዩ ። ንሰላም እንደልየሉ ምኽንያት ንሱ ስለዝኾነ ። ልቢ አምላኽ ዳዊት ንእግዚኣብሔር ምፍራሕ ሕይወት ዘውህብ ሰናይ ዘመን ንምርአይ ዘኽእል ናይ ጥበብ(ፍልጠት) ኵሉ መሠረት ኢዩ ። ነዚ ምስ በለ “ህይወት ዝፈቱ ሰብ መን አሎ፧ ጽቡቕ መዓልታት ክርኢ ዝደሊ ሰብ መን ኣሎ፧ ኣብ ላዕሊ ከም ዝረአነዮ ሕይወት ንምርካብ ዝብህግ ፣ ሰናይ ዘመን ንምርአይ ዝደሊ ጥበብ(ምስትውዓል)ዝወነነ ወይ ድማ ገንዘቡ ዝገበረ ሰብ ኢዩ ።
፩ አንደበትካ ካብ ክፉእ ምኽልካል
ወዲ ሰብ ኣብ ልቡ ዝሓሰቦ ይዛረብ ። ኣብ ልቢ ዝተሓስበ ክፉእ ይኹን ሰናይ ነገር ዝፈልጦ እግዚኣብሔር ጥራይ ክከውን ከሎ ነገር ግን ኣብ ደጋዊ ሰብነት ብዝረአዩ ምልክታት ማለት ገጽ ብምርአይ ክኸውን ይኽእል ፣ ዝፍለጠሉ አጋጣሚታት ምስ ዝፍጠር ወይ ከኣ ብአፍ ተነጊሩ ኣብ ስራሕ ምስዝትግበር ሰባት ክርድእዎ ይኽእሉ ይኸውን ።
ይኹን እምበር አንደበትካ ካብ ክፉእ ዘይምኽልካል ንሰባት ዝጎድእን ዘይሃስስ በሰላ ገዲፉ ዝሓልፍን ከምኡውን ነቲ ዝተዛረቦ ከይተረፈ ነቲ ካልአይ አካል ናብ ቁጥዓ ብምዕዳም ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ዕድል ክህሉ ይኽእል ። ነዚ ኢዩ ቅዱስ ያዕቆብ ሐዋርያ ኣብ መልእኽቱ ከምዚ ዝበለ “ ከምኡ ድማ ልሳን ንእሽቶ አካል ኢያ እሞ ብዓቢይ ነገር ትምካሕ ፣ እንሆ ንእሽቶይ ሓዊ ክንደይ ዓቢይ ዱር ዘይተንድድ ፣ ልሳን ውን ሓዊ ኢያ ፣ ዓለም ዓመጻ ኢያ ፣ ልሳን ኣብ ማእከል አካላትና ሰፊራ ንብዘሎ ሥጋ ተርክሶ አላ ፣ ንመዘወር ንብረት ተንድዶ ፣ ብገሃነም ውን ዝነደደት ኢያ” ይብል ።
ስለዚ ሕይወት ዝደልን ፣ ሰናይ ዘመን ንምርአይ ዝብህግን ሰብ ኣንደበቱ ካብ ክፉእ ነገር ክኽልክል ኣለዎ ። ተዛሪቡ ንሰብ ከየቐይም ፣ ከየሕርቕን ምጥንቃቕ ኣለዎ ። በአንደበትካ ነቲ ካልእ ሰብ ናብ ጥፍአት ከይትመርሖ ክትጥንቀቕ ኣለካ ። መልሓስ ኃያል ስለዝኮነ ኵናት ካብ ዝፈትሖ ፣ ዘረባ ዝፈትሆ ይበልጽ ዝበሃል ኣበሃህላ ከምዘሎ ነስተውዕል ።
አንደበትና ካብ ክፉእ እንተ ዘይከልኪልናዮ ጸርፍን ሓሜትን ኢና እነብዝሕ ። እዚ ድማ ካብ ናይ ሕይወት ጎደና ዘውጽእ ክፉእ ተግባር ኢዩ ። ኣብ መንጎ ኣዕሩኽ ፣ ኣብ መንጎ ሰብአይን ሰበይትን ፣ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ፣ ኣብ መንጎ ዓለታት ፣ ኣብ መንጎ ጎረቤታት ሕሜታን ምንቕቓፍን ፣ ጸርፍን ጽልእን እንተ ደኣ ኣልዩ ሰናይ ዘመን ምርአይ ኣይከአልን ። ነገር ግን ሕይወት ኮነ ሰናይ ዘመን ንምርአይ አንደበትካ ካብ ክፉእ ምዝራብ ምኽልካል ሰናይ ነገር ምዝራብ ኣድላዪ ኢዩ ።
to be continued
No comments:
Post a Comment