ቅዱስ እግዚኣብሔር ቅዱስ ኃያል ቅዱስ ሕያው ዘኢይመውት
ካልአይ ክፋል
ዮሴፍን ኒቆዲሞስ ንጎይታና ክገንዝዎ ከለዉ ‘“ቅዱስ እግዚኣብሔር ቅዱስ
ኃያል ቅዱስ ሕያው ዘኢይመውት” … እና በልኩም ግነዙኒ’ በሎም ። በዚ ቃል’ዚ ቀዳማይ ጎይታ ነቲ ናይ ቀደም መርገም ከምዝሰዓሮ
እንርደአሉ እዩ ። ኣብ ዘመነ ኦሪት ዝሞተ ጥራይ ዘይኮነ በድኑ ዝተንከፈ’ውን ርኹስ ነበረ ። እዚ ልማድ እዚ ከምዝተሳዕረ እነረጋግጸሉ
“ቅዱስ እግዚኣብሔር” ዝብል ቃል እዩ ። ብድሕሪ’ዚ ሞት ሓደ ካብ ናይ ሕይወት መንገዲ’ምበር ንሲኦልን ንመቓብርን ዝህብ ፍርዲ
ኣይኮነን ። ካልኣይ ጎይታና መለኮታዊ ባሕርዩ ዝተፈልዮ መሲልዎም ከምዝነበረ የረድኣና ።
ነባቢ በጊዕ ዝተባህለ ክርስቶስ ናብዚ
ምድሪ ዝመጸ ኣበው ንዘመናት ዘቕረብዎ ሕቶ ንምምላስስ ኢዩ ። ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ፈጺሙ ሕይወት ከምዝተፈልዮ ሓሲቦም ይገንዝዎ ስለዝነበሩ
ነዚ ሕቶ’ዚ ንምምላስ ብቓሉ ተዛረቦም ። ብሥጋ እኳ እንተ ሞተ ብመንፈስ ግን ሕያው ኢዩ ።
ሣልሳይ ኃጢኣት ዝኽእል ሓቀኛ መስዋዕቲ ሙዃኑ ንምግንዛብ ዝተነግረ ቃል ኢዩ ። ክሳብ ሕጂ ዝቐረቡ መስዋዕትታት
ኵሎም ሞት ዝገዝኦም ነበሩ ። ክርስቶስ ግና ካብ መግዛእቲ ሞት ወጻኢ ስለዝነበረ ድሕሪ ሞቱ “ቅዱስ እግዚኣብሔር በሉኒ” ኢሉ ተናገረ
። “ቅዱስ ሕያው ዘኢይመውት” ኢሉ ምዝራቡ ድማ ብሥጋ እኳ እንተ ሞተ ብመለኮቱ ግን ሕያው ሙዃኑ ንምርዳእ ነበረ ። ራብዓይ ባሕርየ
መለኮቱ ኣብ ናይ ሥጋ መከራ ከምዝተሳተፈ ንምፍላጥ ኢዩ ። መለኮት ናይ ሥጋ ውርደት ፣ ሥጋ ድማ ናይ መለኮት ክብሪ ካብዘይተሳፈ
መግለጺ ተዋሕዶ እንታይ ክኸውን ይኽእል፧ ብዘይ ሥጋ ከመይ ኢሉ ብድርብ በፍታን ክሳብ እግሪ ዝበጽሕ ቀሚሽን ክሽፈን ይኽእል፧ ብዘይ
መለኮት ከ ድሕሪ ሞት ከመይ ክዛረብ ከአለ፧ ናይ ሥጋ ሕይወት ነፍሱ ስለዝኾነት ። ናይ ሙታን ሕይወት ፣ ኣብ መቓብር ዘለዉ ትንሣኤኦም ናይ ኣምላኽና ኢየሱስ
ክርስቶስ ሞትን መቓብርን ክውስኖ ኣይክእልን ። ንደቂ መዛምርቱ “ሙታን ኣተንሥኡ” ኢሉ ሥልጣን ዝሃበ ጎይታ ከመይ ኢሉ ኣብ ውሽጢ
ግዝኣት ሞት ክውሰን ይኽእል፧ አይኮነን! “ኣብ መቓብር ሓደረ ንብል’ምበር “ መቓብር ወሰኖ” ኣይንብልን ። ቅዱስ ኣግናጥዮስ
“ውእቱ ውስተ መቃብር” ድሕሪ ምባሉ “ ውእቱ አፍኣ እመቃብር ንሱ ካብ መቓብር ወጻኢ’ውን ኣሎ” በለ። ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ብድርብ
ዓለባ ክገንዝዎ ከለዉ ኣብ ሰማይ ድማ ብናይ ባሕርይ ክብሩ ጸኒዑ ኣሎ ። ብምድሪ መከራ ኣብ ዘጽንዕሉ ኣብ ቅድሚ አይሁድ መከራ ይቕበል ፣ ኣብ ሰማያት ድማ መላእኽቲ ምስጋና የቕርብሉ ። እዚኦም ኵሎም መለኮት ብሥጋ መከራ ምቕባሉ ፣
ሥጋ’ውን ብመለኮት ሕይወት ፣ መድኃኒት ከምዝተባህለ ዘመልክቱ ኢዮም ። ከምዚ ክንብል ከለና ግን “መለኮት ሞተ” ከይንብል ምጥንቃቕ
የድሊ ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና “ብሥጋ ሞተ”ትብል’ምበር “ብመለኮቱ ሞተ” ኣይትብልን ። ቅዱስ ኣግናጥዮስ “ለእመ ትቤ መለኮት
ሞተ ኣንተ ቀታሊሆሙ ለአብ ወለመንፈስ ቅዱስ፣ መለኮት ሞይቱ ትብል እንተ ደአ ኮይንካ ናይ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ቀታሊ ንስኻ ኢኻ”
ይብል (ሃይማኖተ ኣበው ፲፩፥፲፫) ። አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብባሕርይ ሓደ ስለዝኾኑ ። ስለዚ “ መለኮት በሥጋ ሞተ ፣
ሥጋ ብመለኮት ሕያው ኮነ” ናይ ሃይማኖትና ትምህርቲ እዚ ኢዩ ።
ጎይታና ብሥልጣኑ ካብ ሙታን ተፈልዩ ከምዝተንሥአ
መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ሞቱ “ባዕለይ ኢየ በጃ ኣሕሊፈ ዝህባ
እምበር ካባይ ዝወስዳ ሓደ እኳ የልቦን ፣ በጃ ከሕልፋ ፣ መሊሰውን ክወስዳ ሥልጣን ኣለኒ” ብማለት ተዛረበ (ዮሓ ፲፥፲፰) ።
ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ድማ “እግዚኣብሔር ግን ናይ ሞት ጻዕሪ ኣጥፊኡ ኣተንሥኦ” ተባሂሉ ተጻሕፈ ( ግብ ሓዋ ፪፥፲፭-፳፮) ። ካብዚ
“ጎይታና ካብ ሙታን ዝተንሥአ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሥልጣን ኣይኮነን? እዞም ኃይለ ቃላት ዚኣቶም ኣይጋጨዉን? ዝብል ሕቶ ክለዓል
ይኽእል ኢዩ ። ናብቲ መልሲ እንተ መጻእና ነገረ ክርስቶስ ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ ክልተ ዓይነት አንድምታ (ትርጉም) ኣለዎ። ሓዋርያት
ስለ ጎይታ ኣብ ዝጸሓፍሉን ዝሰበኽሉን ቃል ኵሉ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል ፣ ካብ ክልተ ባሕርይ ሓደ ባሕርይ ምዃኑ ንምርዳእ
ሓደ ሓደ ጊዜ ፍጹም ሰብ ፣ ካልእ ጊዜ ድማ ፍጹም ኣምላኽ ክገብርዎ ንምልከት ።
ንኣብነት
ቅዱስ ጳውሎስ “ዘበራትዖ መልኣኽ መጾ ፣ ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን ጸሎትን ምህለላን ኣቕረበ ፣ ንኣምላኽ ዝእዘዝ ስለዝነበረ ኸአ
ተሰምዐ” (ዕብ ፭፥፯) ብማለት ጎይታና ከም ሓደ ደቂ ኣዳም ብምምሳል ድኹማት ቃላት ተነግረሉ ። በዚ ድማ ክብሪ ንዕኡ ይኹን ጎይታናን
ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኻምና ንምሕጋዝ ምድካሙ ንርድኣሉ ። ነቲ ሓያል ጸላኢና ኣሲሩ ፣ ንሲኦል በርቢሩ ፣ ንነፍሳት
ነጻ ክሳብ ዘውጽኦም ጎይታና ደኺሙ ስለዝተራእየ ድኹማት ቃላት ተነግርሉ ። ንመለኮት ደኣ ካብ ሓደ ናብ ሓደ ክኸይድ መታን ጎደና
ኣለዎ ድዩ ፧ ብሓቂ ስለ ናይ ሥጋ ድኻም እዚ ኵሉ ተባህለ ።
ቅዱሳት መጻሕፍቲ ሰብ ከምዝኾነ ከምዝነገሩና ኵሉ ፣ ፍጹም ኣምላኽ ምዃኑ
ክምስክሩ ከለዉ ድማ “ ተኃድገ ለከ ኃጢኣተከ ፣ ፈቀድኩ ንጻሕ ፣ ሓጢኣትካ ተደምሲስልካ ፣ ፈቒደ ኣለኹ ንጻሕ እናበለ ብሥልጣኑ ንኃጢኣተኛታት ካብ በደል ነጻ ከምዝገብር ፣ ሕሙማት ከምዝፍውስ
ነጊሮምና ።
ብዘይካ በይኑ ሓደ እግዚኣብሔር ነዚ ነገር ክገብር ዝኽእል ዋላ ሓደ
እኳ የልቦን ። ከምኡውን ንንፋሳት ክግስጽ ፣ ኣጋንንቲ ከንቀጥቅጡ ርኢና ፣ ከም ናይ ኣምላኽ ሰባት ብናይ እግዚኣብሔር ስም ዘይኮነስ
ብናይ ገዛእ ርእሱ ስም ተአምራት ክገብር ምስ ተመልከትና ኣምላኽ ምዃኑ ፈለጥና ። አጸዋውዓ ስሙ እንተ ተመልከትናውን ሓደ ግዜ
“ወልደ ዳዊት” ካልእ ጊዜ ድማ “ ወልደ እግዚኣብሔር” እናተባህለ ይጽዋዕ ። “ወልደ ዳዊት” ብዝተባህለሉ ምድራዊ ልደቱ “ወልደ እግዚኣብሔር”
ብዝተባህለሉ ድማ ሰማያዊ ልደቱ ንርዳእ ። መብዛሕትኡ ጊዜ “ወልደ ዳዊት” እናተባህለ ዝጽውዓሉ ምስጢር ንሕና ሰማያውያን ንኽንከውን
ንሱ ምድራዊ ምዃኑ ንምግንዛብ እዩ ። ስለዚ ስለ ክርስቶስ ኣብ ዝንገረሉ ጊዜ ዝኾነ ይኹን ምእመን ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ልቢ
ክብል ይግባእ ።
፩ይ ንካሕሳ ዝተነግሩ ቃላት ምንባሮም
ኣብ ቅዱስ ወንጌል “ኣቦይ ለአኸኒ ፣ እዚ ሥልጣን ካብ ኣቦይ ተቐቢለ
ኣለኹ” ዝብሉ ቃላት ብተደጋጋሚ ተጠቒሶም ንረኽቦም ። እዚ ማለት ግን ምድራዊ ኣቦ ንወዱ ፣ ወዱ ድማ ንኣቦኡ ከምዝገብረሉ ኣብ
መንጎ እግዚኣብሔር ኣቦን እግዚኣብሔር ወልድን ምእዛዝ ፣ ምትእዛዝ ፣ ምልኣኽ ምልእኣኽ ሃልዩ ኣይኮነን ። “ ኢይኤዝዞ አብ ለወልዱ
በከዊነ ኣብ ወኢየዐቢ ወልድ በከዊነ ወልድ ፣ ኣቦ ንወዱ ኣቦኡ ብምዃኑ
ኣይእዝዞን ፣ ወልድውን ወዲ ብምዃኑ እምቢ ኣይብልን” ከምዝበለ ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ እግዝእትነ ማርያም ። ስለዚ ንምንታይ
ደኣ ከምዚ ይብል ዝብል ሕቶ ኣሎ እንተ ኾይኑ ፣ ቀዳማዊ ኣዳም ብዘይ ምእዛዙ ዝመጽኦ መከራ ፣ ዳግማዊ ኣዳም ዝኾነ ክርስቶስ ክሳብ
ኣብ መስቀል ምስቃል ብዝገበሮ ምእዛዝ ከምዝተወገደሉ ንምርዳእን ፣ ናይ ኣዳም ዘይምእዛዝ ብምእዛዝ ንምኽሓስ ነበረ ።
፪ይ ጎይታና ፍጹም ሰብ ከምዝኾነ ንምርዳእ ዝተነግረ ቃላት ምህላዎም
።
ጎይታና “ነፍሰይ ክሳብ ሞት ኣዝያ ሓዘነት” ክብል ከሎ ኅዘን ዝሰማምዖ
ሰብነት ከምዝተወሓደ ንምርዳእ እዩ ። “ … ዋጋኹም ብዙኅ ስለዝኾነ ደስ ይበልኩም” እናበለ ብሥራት ዝሰብኽ ጎይታ ከመይ ኅዘነ
ተባሂሉ ይንገረሉ ፧
፫ይ ነቶም ዝጠፍኡ ንምድላይ ዝተነግሩ ቃላት ምህላዎም ።
ጎይታ “ኣንቲ ሰበይቲ ማይ ኣስትይኒ” ማለቱ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ናይ ሕይወት ማይ ንምስታይ እምበር ንሱ ማይ ስለዝጸምኦ ዝተነግረ ኣይኮነን ። ከምዚ እንተ ዝኸውን ኔሩ ዳሕራይ ማይ ክሰቲ
ምረአናዮ ኔርና! ካብዚ ግን ነታ ሰበይቲ ናይ ሕይወት ማይ ኣስቲዩ ምኻዱ ምስ ተመልከትና እቲ ቃል ንዝጠፍአት ሰበይቲ ንምድላይ
ዝተጻሕፈ ምዃኑ ንግንዘብ። ኣብ ላዕሊ ዝተላዕለ ሕቶውን ምስ እዚኣቶም ዝምደብ ኢዩ ። ኢየሱስ ክርስቶስ ንሞት ስዒሩ ንምትንሣእ
ከም ኣልዓዛር ፣ ከም ወዲ መበለት ድምጺ ዘስምዖን ፣ ኣብ ኣፍደገ መቓብር ተንበርኪኹ ዝጽልየሉ ጻድቕ ኣየድልዮን ። ብገዛእ ሥልጣኑ
ንሞት ስዒሩ ተንሥአ እምበር ። ስለዚ “ነዚ ቤተ መቕደስ ኣፍርስዎ ፣ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ከተንሥኦ እየ” ማለቱ ልቢ ይበሉ (
ዮሓ ፪፥፲፱) ። በዚ ድማ ንሰብነቱ ካብ ሞት ከተንሥኦ ሥልጣን ከምዘለዎ ኣርኣየና ።
ብመሰረቱ “እግዚኣብሔር ናይ ሞት ጻዕሪ ኣጥፊኡ ኣተንሥኦ”(ግብ ሓዋ
፪፥፲፭-፳፮) ዝብል ኃይለ ቃል እግዚኣብሔር ከምዘተንሥኦ እምበር ኣቦ ከምዘተንሥኦ ዝብል ኣይኮነን ። እግዚኣብሔር ዝብል ስም ኣቦ
ጥራይ ዘይኮነስ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ውን ዝጽዉዕሉ ስም ኢዩ ። ኣቦታትና ናይዚ ኃይለ ቃል እዚ ምስጢር ከረድኡና ከለዉ “እግዚኣብሔርነቱ
ኣተንሥኦ” ኢሎም ይትርጉምልና ። እንሆ
“እግዚኣብሔር” ዝብል ስም ባሕርያዊ እምበር አካላዊ ስም ስለዘይኮነ
እዩ ።
ሓደ
ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ቀብኣካ … እግዚኣብሔር ንናዝሬታዊ ኢየሱስ ብሓይልን ብመንፈስን ቀብኦ ….. እግዚኣብሔር
ካብ ማእከል ሙታን ፈልዩ ኣተንሥኦ …..” ክብል ምስ ሰምዑ ናይ እምነት መሰረቶም ይናወጾም ። ቅዱስ ቄርሎስ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ
፰ ፥ ፲፪ ዘሎ ኃይለ ቃል ክትርጒም ከሎ “ጥበብ ‘ጎይታ ፈጠረኒ’ በለት እምበር ‘ኣቦ ፈጠረኒ’ ኣይበለትን ፣ወልድ ብዛዕባ ኣቦኡ
ክዛረብ ኣብ ዝደለየሉ ጊዜ ‘ኣቦይ’ ኢሉ ፈልዩ ዝዛረብ ኣይኮነን ፧” ብማለት ንአርዮሳውያን ዝሃቦ መልሲ ምምልካት ነዚ ይጠቅም
(ሃይማኖአ አበው ፸፮፥፲፫)። ስለዚ “ኣቦ ኣተንሥኦ” ኢሎም ንዝሰሓሓቱን ዘስሕቱን ወልድ ምስ ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ሙዃኑ
ንነግሮም ።
ደቂ ኣንስዮ ናይ ጎይታ ትንሣኤ ናይ ምርኣየን ምስጢር ።
ቅዱስ ጳውሎስ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ማሕበር ምዝራብን ምምሃርን ከምዘይግብአን
ይነግረና (፩ይ ቆሮ ፲፬፥፴፭) ። ሓደ ሓደ ሰባት ጎይታና ናብ መቓብሩ
ዝኸዳ ኣንስቲ “ ናብ ገሊላ ንኽኸዱ ንደቂ መዛሙርተይ ንገራኦም” ማለቱ ብምጥቃስ ደቂ ኣንስትዮ ወንጌል ከስተምህራ ይኽእላ እየን
ዝብል መከራኸሪ የቕርቡ ኢዮም (ማቴ ፳፰፥፩-፲) ። ሓደ ሓደ ሰባት ንናይ እግዚኣብሔር ቤት ዝቐንኡ መሲልዎም ክጋገዩ ንርእዮም
። ናይ ኣንስቲ ዘይምስባኽ ምስ ተመልከቱ ፣ ኣንስቲ ዘይአትዋኦ ገዳም ምስ ተዓዘቡ ከም መሰል ምጥሓስ ጌሮም ዝቖጽርዎ ኣለዉ ።
አዳም ጥንቲ ክፍጠር ከሎ ብዘይ ኣንስተይቲ ንሓደ ሱባዔ በይኑ ጸንሐ ። ኣንስቲ ዘይአትውኦ ገዳማት ምንባሩ
ሔዋን ቅድሚ ምግላጻ ዝነበረ ኣዳም ንምግላጽ ከምዝኾነ ምርዳእ የድሊ ። ጎይታ ንቤተ ክርስቲያን ክእክብ ክጅምር ከሎ
መጀመርያ ሠላሳን ሽዱሽተን ቅዱሳን ኣንስቲ ከምዝኾና ምግባሩ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን ። ስለዚ ኣንስቲ ንወንጌል ኣገልግሎት ምጽዋዐን
ክንኣምን ይግባእ ።
ካብተን ዘጸውዓ ቅዱሳን ኣንስቲውን ወንጌል ሰቢኸን ብዙሓት ናብ እምነት ከምዝመለሳን ክጥመቑ ከምዝገበራን ዝተረጋገጸ
ኢዩ ። ከምዚ ስለዝበልና ግን ኣብ ጉባኤ ወጺአን የስተምህራ ኔረን ማለትና ኣይኮነን ። ቅዱስ ጳውሎስ ዝኸልከሎ ከኣ ነዚ ኢዩ ።
ብርግጽ ኣንስቲ ንአስንቲ ኣኪበን የስተምህራ ኔረን ።
ንማርያም መግደላዊት ትንሣኤኡ ዝገለጸን “ ኪዲ ንደቂ መዛሙርተይ ንገርዮም”
ኢሉ ዝለአኻ ንምንታይ ኢዩ ፧ እንተ ተባህለ ሞት ናብ ዓለም ክኣቱ ከሎ ዝተሰብከ ብኣንደበት ሰበይቲ ነበረ
፣ ብኢድ ሰበይቲ ዝተቖርጸ ዕፀ በለስን ፣ ብኣንደበት ሰበይቲ ዝተሰብከ ሞትን ወረሰና ። በዚ ምኽንያት እዚ ኣንስቲ ርስቲ ኣይካፈላን
፣ ኣብ ቁጽሪ ኣትየን ኣይቁጸራን ነበራ ። እዚኣቶምን ካልእን ሽግራትን ብቤዛነቱ ከምዝሓደገለን ንምግንዛብ ጎይታ ንኣስንቲ ተገልጸ
። ካብቲ ዓቢይ ፍቕሩ ዝተላዕለ ሰበይቲ በቲ ሞት ዝሰበኸትሉ ኣንደበት ትንሣኤኡ ክትነግር ፣ ናብ ዕፀ በለስ ዝጎየዩ ኣእጋራ ናብ
ሓዋርያት ከምዝግስግሱ ገበረ ። ከምኡውን ቀዳማዊ አዳም ካብ ድቃሱ ምስተበራበረ ኣብ ጎድኑ ዝረኸባ ሔዋን ነበረት ። ዳግማዊ ኣዳም
ዝኾነ ክርስቶስ ካብ ሞት ኣብ ዝተንሥኣሉ ጊዜ ኣብ ኣፍደገ መቓብሩ
ንመጀመርታ ግዜ ዝተረኽባ ደቂ ኣንስትዮ ነበረ ።
ጸሓፊ ሊቀ ሊቃውንት ስምዐ ኮነ መልኣክ
ተርጓሚ ዲያቆን ሓጎስ
ይቕጽል ……….
ነባቢ በጊዕ ዝተባህለ ክርስቶስ ናብዚ ምድሪ ዝመጸ ኣበው ንዘመናት ዘቕረብዎ ሕቶ ንምምላስስ ኢዩ ። ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ፈጺሙ ሕይወት ከምዝተፈልዮ ሓሲቦም ይገንዝዎ ስለዝነበሩ ነዚ ሕቶ’ዚ ንምምላስ ብቓሉ ተዛረቦም ። ብሥጋ እኳ እንተ ሞተ ብመንፈስ ግን ሕያው ኢዩ ።