26 April 2018

ነገረ ክርስቶስ


ነገረ ክርስቶስ

ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል

በዓለ ትንሣኤ “ፋሲካ” ተባሂሉ ዝተጸውዓሉ ምኽንያት


በዓል ፋሲካ ብቛንቋ እብራይስጥ “ፓሳህ” ይበሃል ። ትርጒሙ ከኣ “ምሕላፍ ፥ ” ማለት ኢዩ ። ምኽንያቱ በዓለ ትንሣኤ ቀዳማይ ሞት ካብ መንበሪ እስራኤላውያን ዝሓለፈሉ ስለዝኾነ ኢዩ ። ፈርዖን ግብጺ ብጥምየት ንኸይትህረም ዝገበሮ እኳ እንተ ዘይሃለወ እቲ ስደተኛን ናብ እሱር ቤት ዝወረደን ቅዱስ ዮሴፍ ግን እቲ ናይ ሞት ጥሜት ናብ ግብጺ ንኸይኣቱ ከልከሎ ። ኣብ መጨረሽታ ግን ዮሴፍ ምስ ሓለፈ ናይ ቅዱስ ዮሴፍ ታሪኽ ዘይፈልጥ ካልእ ፈርዖን ምስ ተሾመ እሞ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ናይ ሞት ሕጊ ኣውጽአ ። (ዘፀ ፩፥፲፩) ።
     “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን ፣ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ክጭፍልቕ ኢዩ ፣ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ክትነክስ ኢኻ (ዘፍ ፫፥፲፭)” ተባሂሉ ዝተነግረሉ ዲያብሎስ ርእሲ ርእሱ ዝቕጥቕጦ ወዲ ንኸይውለድ ብምሕሳብ ሕፃናት ካብ ማኅፀን ኣዲኦም እናተረፈ ናብ መቓብር እናውረደ ክሳብ ዘመነ ሙሴ በጽሐ ። ሙሴ ድሕሪ ምምጽኡ ሞት ናይ እስራኤላውያን መንበሪ ገዲፉ ናብ ናይ ግብጻውያን መንበሪ ንኽኣቱ ምኽንያት ዝኾነ ዕለት ፋሲካ ይበሃል።
    ኣብዚ በዓል እዚ እስራኤላውያን ገንሸል ሓሪዶም ፣ ኣብ ልዳት ቤቶም ዝቐብእዎ ደም ተመልኪቱ ሞት ንዓኣቶም(እስራኤላውያን) ገዲፉ ናይ ግብጻውያን ቦዅሪ ዝበለ ኵሉ ቀተለ ። እስራኤላውያን “ ቀሣፊና ተቐሥፈ” ክብሉ በዓሎም “ ፋሲካ” ሰመይዎ ። ንሕና ክርስቲያን ውን ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ንትንሣኤ ጎይታ ፋሲካ እንብሎ ሞት ካባና ዝሓለፈሉ ናይ መጀመርታ በዓልና ስለዝኾነ ኢዩ።  ስለ ናይ ብዙኃት ይቅርታ (ኅድገት ኃጢኣት) ዝፈሰሰ ደም ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቲ ኣብ ግብጺ ዝተሰውዐ መስዋዕቲ ኣዝዩ ዝበለጸን ዝኸበረን ብሙዃኑ ነቶም ዘለዉ ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ዝሞቱውን ካብ መቓብር ኣውጽኦም ። ብናቱ ትንሣኤ ሞት ካባና ምሕላፉን ፣ ናይ ወዲ ሰብ ባሕርይ ካብ ሙታን ተፈልዩ ምትንሣኡን “ለምንት ትኃሥሣኁ ለሕያው ምስለ ሙታን ፣ ንምንታይከ ነቲ ሕያው ምስ ምዉታን ትደልያኦ ኣለኽን” (ሉቃስ ፳፬፥፭) ። ምዉታን ዝበሎም ኣጋንንት ኢዮም ። ብናይ ጎይታና ትንሣኤ ሰብ ካብ ምዉታነ ሕሊና ካብ ኣጋንንት ተፈልዩ ተንሥአ። “ኦ ኣዳም መሬት ኣንተ ፣ ወትገብዕ ውስተ መሬት ፣ ኣዳም መሬት ኢኻ ፣ ናብ መሬት ድማ ክትምለስ ኢኻ” ዝብል ኣዋጅ ሕጂ ተቐየረ ናይ ጎይታና ትንሣኤ ካብቲ ዝኣርግ ናብ ዘይአርግ ፣ ካብቲ በስባሲ ናብ ዘይብስብስ ሰብነት ዝተሳገርናሉ በዓል ኢዩ ። እዚ ዅሉ ምስግጋር ዝተፈጸመ በቲ ናይ ፋሲካ ገንሸል ብምኻኑ ንኽርስቶስ ፋሲካና ንብሎ (፩ይ ቆሮ ፭፥፯) ።

  ካልኣይ ድማ “ ምስዋዕተ ኦሪት ሓሊፉ ፣ መስዋዕተ ወንጌል ኣተወ” እንብለሉ ወቕቲ ስለዝኾነ ኢዩ ። ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ንደቂ መዛሙርቱ ኣብ ዝሃበሉ ዕለት ብፋሲካ ዝተጀመረ ሕጊ ብፋሲካ ክስዕር መታን ነቲ ሓላፊ ዝኾነ መስዋዕቲ ኦሪት ኣቐዲሙ ፣ ነቲ ዝመጽእ መስዋዕቲ
ወንጌል ኣኸቲሉ ፋሲካኡ ገበረ ። ንደቂ መዛሙርቱ ድማ “ዝ ውእቱ ደምየ ዘይትከአው ለሐዲስ ሥርዓት በእንተ ቤዛ ብዙኃን፣ ….

    ምእንቲ ብዙኃት ንኅድገት ኃጢኣት ዝፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ ኢዩ እሞ ካብዚ ኵሉዅም ስተዩ”(ማቴዎስ ፳፮፥፳፰)  ብምባል ናብ ሓዲሽ ኪዳን ምእታዎም ኣረጋጊጹ ኣስተምሃሮም( ነገሮም) ። ስለዚ ናይ ክርስቶስ ትንሣኤ ነቲ ዝኣረገ ገዲፍና ናብ ሓዲሽ ሕይወት ዝተሰጋገርናሉ በዓል ብምዃኑ ፋሲካ ንብሎ ።
     ሣልሳይ ናይ ደስታና መረጋገጺ ስለዝኾነ ኢዩ ። “ፋሲካ” ማለት ብግእዝ ቋንቋ “ደስታ” ማለት ኢዩ ። ደስታና ዝተረጋገጸሉ ብናይ ጎይታ ትንሣኤ ክኸውን ከሎ ፣ ፍጻሜ ዝረክብ ድማ ብትንሣኤ ዘጉባኤ ኢዩ ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን በቲ ብዕለተ ዓርቢ ዝቖረሶ ቅዱስ ስጋኡን ዘፍሰሶ ክቡር ደሙን ተመስረተት ። ምንም እኳ ደስታአ ኣብ ቅድሚ ሕዝብን ኣሕዛብን እትገልጸሉ ጊዜ ገና እንተኾነ ፣ ብትንሣኤኡ ግን ኣብ ውሽጢ ዕጹው ገዛ ኮይና ናይ ክርስቶስ ሰላምታ ተቐቢላ ተደሰተት (ዮሓ ፳፥፲፱) ። ስለዚ ኢዩ ድማ “ወምድርኒ ትገብር ፋሲካ፣ ተኃፂባ በደመ ክርስቶስ፣ ምድሪ ብናይ ክርስቶስ ደም ተሓፂባ ፋሲካ ተብዕል” እናበልና እንዝምር ።

   ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ናይ ትንሣኤኣ ቦኽሪ ስለዝተንሥአ ፣ ኣብ ቅድሚ እቶም ንኽቀትልዋ ዝጎትዋ ሰባት ንሽልማት ከምዝተጸውዐ ቆልዓ ደስ እና በላ ትቐርብ (፩ ቆሮ ፲፭፣፳)።
    ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ደስታኣ ብትንሣኤ ፍጹም ከምእትገብሮ ቅዱስ አርክዎስ ኣብ ሃይማኖተ ኣበው ፱፥፩ “በዛቲ ዕለት ተፈጸመ ፍሥሐሃ ለቤተ ክርስቲያን ፣ በዚ ዕለት ናይ ቤተ ክርስቲያን ደስታ ፍጹም ኮነ” ብምባል ይምስክር ። በዚኦምን ካልኦት ምኽንያታትን ናይ ጎይታና ትንሣኤ ፋሲካ ተባሂሉ ይጽዋዕ ።
ጎይታ ቦኽሪ ትንሣኤ ዝተባህለሉ ምኽንያት
እቲ ናይ መጀመርታ ኣዳም ንሞትን ኃጢኣትን ቦዅሪ ኮይኑ ስለዝነበረ ፣ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳብ ክርስቶስ ሞት ይገዝኣና ነበረ። (ሮሜ ፭፥፲) ። ቅዱስ ጳውሎስ “ሕጂ ግና ክርስቶስ ካብ ሙታን ተንሥአ ፣በዚ ኸኣ ናይቶም ዝሞቱ ቦዅሪ ትንሣኤ ኮነ” (፩ይ ቆሮ ፲፭፥፳) ። ቅድሚ ጎይታ ዝሞቱን ዝተንሥኡን ኣለዉ ፣ ነገር ግን ናይ ጎይታና ትንሣኤ ካብ ካልኦት ዝተፈልየ ስለዝኾነ ቦዅሪ ትንሣኤ (ናይ ትንሣኤ ጀማሪ) ይበሃል ።
 ጎይታና ቦኽሪ ትንሣኤ ዝተባህለሉ
ቀዳማይ ሞቱ ንሞት ስለዘጥፍአ ኢዩ ። ሞት ጎይታና ካብ ናይ ካልኦት ሞት ዝተፈልየ ኢዩ ።  ንሞት ብምቕታል ዓለባ ዘይኮነስ ናይቲ ሽግር ምንጪ ዝኾነት ሳሬት ኣጥፍአ ። ኃጢኣት ፣ ሞት ፣መቓብር እዚኣቶም ሠለስቲኦም ተተሓሓዝቲ ነገራት ኢዮም ። ኃጢኣት እንተ ዘይኣልዩ ሞት የለን ፣ ሞት እንተ ዘይኣልዩ መቓብር የለን ። ሞት ምስ ሞተ ሙታን ተንሥኡ ፣ ናይ ሞት ጽላል ምስ ተገፈ መቓብራት ተኸፍቱ ።  ብናይ ክርስቶስ ሞት፣ ኃጢኣት ካብ ሡራ ከም ዝተነቕለት ገረብ ንኸይትፈሪ ፣ ንኸይትልምልም ፣ ንዘለዓለም ተነቕለት ። ሞትውን ንሙታን ገዲፉ ጠፍአ ፣ መቓብር ውን ባዶ ኮይኑ ፣ ተኸፍተ ። ነዚ ኢዩ ድማ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና ኣብ ቅዳሴኣ “ሞተ ዝቦኣ ቀዳሚ ውስተ ዓለም በቅንዓተ ሰይጣን ፣ኣብጠልከ በምጽአቱ ለዋሕድ ወልድከ መድኃኒነ ፣ ቅድሚ ምምጻእ  ወድኻ ብተንኮል ሰይጣን ናብ ዓለም ዝኣተወ ሞት ብምጽአት ሕያው ወድኻ ኣጥፋእካ” እናበለት እተመስግኖ (ሥርዓተ ቅዳሴ)።
  
     ጎይታና በኵሪ ትንሣኤ ዝተባህለሉ ካልኣይ ምኽንያት ናይ ጎይታ ትንሣኤ ናይ መጀመርታ ሓድሽ ትንሣኤ ስለዝኾነ ኢዩ ። ቅድሚኡ ዝተንሥኡ ብዙኃት ሰባት እኳ እንተ ነበሩ ብዝብስብስ ተዘሪኡ ብዘይብስብስ ሥጋ ምትንሣእ ዝኸአለ ግን ሓደ እኳ ኣይነበረን ። ካልኦት ሙታን ንዘለዓለም ንሞት ከሸንፍ ብዝኽእል ሞት ዝተንሥኡ ስለዘይነበሩ (፪ ነገ ፲፫፥፳፩) ። ድሕሪ ክርስቶስ ምምጽኡ ዝተንሥኡ ከም በዓል ኣልዓዛር ዝበሉ ከም ብሓድሽ ሙማትን ምትንሣእን ኣለዎም ። ናይ ጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሣኤ ግን ዘለዓለማዊ ትንሣኤ ኢዩ።
ንሕናውን ድሕሪ ትንሣኤ ዘጉባኤ ከም መላእክት ኮይና ክንነብር ኢና ። ብዝፈርስ ፣ ብዝብስብስ ፣ ሥጋ ተዘሪእና ፣ ብዘይብስብስ ብዘይፈርስ ሥጋ ንትንሥእ ። ናይ ትንሣኤና ቦዅሪ ክርስቶስ ስለዝኾነ ።    
     ጎይታና ቦኽሪ ትንሣኤ ዝተባህለሉ ሣልሳይ ምኽንያት ፣ ትንሣኤኡ ንስለ ቤዛ ኵልና ዝተገብረ ትንሣኤ ስለዝኾነ ኢዩ ። ቅድሚ ሕጂ ስለ ኵሉ ዓለም ክብል ዝሞተ ዝኾነ የልቦን ። ቅዱስ ጳውሎስ “እስመ ኵሎ ፆሮ ይፀውር ፣ ከመይ ነፍሲ ወከፍ ጸፆሩ ክፀውር ኢዩ ዝግባእ” (ገላትያ ፮፥፭) ። አቦታትና ብናይ ገዛእ ርእሶም ዕዳ ክሞቱ እንከለዉ ፣ ዋላ ሓንቲ ዕዳ ዘይብሉ ክርስቶስ ግና ናይ ኵሉ ፍጥረት ዕዳ መታን ክድምስስ ብፍቓዱ ሞተ ። ሞቱ ንስለ ኵልና ብዝኾነ መጠን ፣ ትንሣኤኡ ድማ ናይ ኵልና ሕይወት ኢዩ ። ነዚ መርኣያ ዝኾነና ናይ ኣይሁድ ፍርሓት ኢዩ ። ኣይሁድ “ጎይታና፥ እቲ መስሓቲ ብሕይወቱ ከሎ ‘ድሕሪ ሠለስተ መዓልቲ ክትንሥእ ኢየ’ ከም ዝበለ ዘከርና ፣ ስለዚ ደቂ መዛሙርቱ መጺኦም ከይሰርቅዎ ንሕዝቢ ከአ ካብ ሙታን ተንሢኡ ከይብሉ እሞ ካብ ቀዳማዩ ዳሕራዩ ዝገደደ ስሕተት ከይከውንሲ ክሳዕ ሣልሰይቲ መዓልቲ እቲ መቓብር ብጽኑዕ ኪሕሎ ኣዝዝ” በልዎ (ማቴ ፳፯ ፥ ፷፪-፷፭) ኢሎም ነበሩ።
  እዚ ናይ ኣይሁድ ፍርሓት ንዲያብሎስውን ጭንቀት ኢዩ ። ጎይታና ክብርቲ ነፍሱ ካብ ቅድስቲ ሥጋኡ ብገዛእ ሥልጣኑ ክፈልያ ከሎ ዲያብሎስ ንነፍሱ ኣብ ሲኦል ውሒጡ ፣ ሥጋኡ ድማ ኣብ መቓብር ረጊጹ ምትራፍ ከምዘይከአሎ ስለዝተረድአ ኣይሁድ ከምዚ ንኽብሉ ገበሮም ። ብካልእ ሸነኹ ድማ ትንሣኤኡ ርእዮም ክኣምኑ መታን እዚ ማለቶም ናይ ጎይታ ፍቓድ ነበረ ። አሚኖም ዋላ ኣይጠቐምሉ ናይ ጎይታ ትንሣኤ ንዝኣመኑን ዘይአመኑን ሕይወት ስለዝኾነ ። ስለዚ ኢዩ ናይ ጎይታ ትንሣኤ ቦዅሪ ትንሣኤና እንገብሮ።

ትንሣኤ ዘጉባኤ
      ብእሳት ተቓፂሎም ፣ ብኣራዊት ተበሊዖም ፣ ናብ መሬትነት ዝተለወጡ ሰባት ኣብ ዕለተ ምፅኣት ካብ ሞት ዝትንሥኡ ከመይ ኢዩ እንደገና ሰብ ኮይኖም ክፍጠሩ ኢዮም ማለት ድዩ፧
    መጀመርታ ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ዘምጽኣና ጥበበ እግዚኣብሔር ኢዩ ። ብዘይ እዚ ደኣ ከመይ ኢሉ ኢዩ ካብ ኣቦ ዝተኸፍለ ዘርኢ ምስ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ደም ተዋሒዱ ፣ ፈሳሲ ዝነበረ ረጊኡ ፣ ናይ ኣዕጽምቲ ዓንዲ ፣ ጅማት መእሰሪ ተሰሪሕሉ ቅዱስ ናይ እግዚኣብሔር ቤተ መቕደስ ዝኸውን፧ ብርግጽ ብከመዚ ኮይኑ ዝተጀመረ ህልውናና ብሞት ክቋረጽ ፣ ክሳብ ምምጻእ ክርስቶስ ኣብ ውሽጢ መቓብር ክፈርስ እምበር ንኽበቍል ኣይነበረን። ወዲ ሰብ ከም ኣዝርእቲ ምስ ሞተን ምስ ፈረሰን ኣካል ኣልይዎ ዝትንሥእ ኢዩ ። ብዘይ ዝናብ ኣትክልቲ እንታይ ትንሣኤ ኣለዎም ። ብዘይ ምፍሳስ ደም ክርስቶስ ንወዲ ሰብ መን ካብ ሞት ከተንሥኦ ይኽእል፧ ናይ ጎይታና ደም ምስ ፈሰሰ ግን ፣ መቓብራት ተኸፍቱ ፣ ኣኻውሕ ተሰንጠቑ ፣ ካብ ወገን ሙታን ብዙኃት ተንሥኡ ። ኣብዚ ግዜ ዚ “ቦኑ ለከንቱ ፈጠርኮ ለእጓለ እመ ሕያው ብሓቂ ንወዲ ሰብ ንኸንቱ ዲኻ ፈጢርካዮ” ዝብል ሕቶ ናይ ቅዱሳን ኣቦታትና መልሲ ረኸበ (መዝ ፹፰፥፵፯) ። ሞት ከም ሓረስታይ ፣  መቓብር ድማ ከም ሕርሻ ኮይኑ ደቂ ሰባት ኣብዚ ምድሪ ብዝብስብስን ፣ ብዝፈርስን ንዝራእ ። ከምዚ እንተ ዘይኮና ትንሣኤ የብልናን ። ዳሕራይ ተለዊጥና ብሓድሽ ሥጋ ክንትንሥእ ኢና ።   
ባሕርይ መልኣኻዊ ፣ ባሕርይ ሥጋዊ ፣ ባሕርይ እንስሳዊ ብተፈጥሮ ይወሃቡና ። ምስ ሞትና ባሕርይ እንስሳውን ባሕርይ ሥጋውን ይፍለዩና ። ባሕርይ መልኣኻዊ ግን ብባሕርዩ ሞት ስለ ዘይብሉ
(ሞት ስለዘይሰማምዖ) ምሳና ሓቢሩ ይነብር ። ብዝኾነ ይኹን ዓይነት ሞት እኳ እንተ ሞትና እዚ ዘይተርፍ ጉዳይ ኢዩ (፩ይ ቆሮ ፲፭፥፵፬) ። ትንሣኤ ፥ ወዲ ሰብ ሠላሳ ፣ ስሳ ፣ ሚኢቲ ፍሬ ፈርዩ ዝረአየሉ ወቕቲ ኢዩ ። ዕፀዋትን ኣዝርዕትን ምስ ፈረሱ ፣ ምስ በስበሱ ሓደ ኣብ ርእሱ ፣ ሓደ ኣብ ጎኑ ካልእ ድማ ኣብ ሱሩ የፍሪ ። ኣብ ሱሩ ዘፍሪ በዓል ሠላሳ ፣ ኣብ ጎኑ ዘፍሪ በዓል ስሳ ፣ ኣብ ርእሱ ዘፍሪ ድማ በዓል ሚኢቲ ምሳሌ ኢዮም ። እዚ ድማ ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና “ዳግም ልደት” ተባሂሉ ይጽዋዕ ። ተፈጥሮ ናይ ወዲ ሰብ ክልተ ዓይነት ክኾኑ ከለዉ ፣ ንሳቶም ድማ ጥንተ ተፈጥሮን ፣ ሓድሽ ተፈጥሮን ይበሃሉ ። ጥንተ ተፈጥሮና ብኣዳም ዝተገብረ ክኸውን ከሎ ፣ ሓድሽ ተፈጥሮና ድማ ብክርስቶስ ዝተገብረ ናይ ባሕርይና ምሕዳስ ኢዩ ። ልደታትና ግን ብሰለስተ ወገን ኢዩ ። ቀዳማይ ሥጋዊ ልደት ፣ ካልኣይ መንፈሳዊ ልደት ፣ ሣልሳይ ድማ ትንሣኤ ዘጉባኤ ኢዩ ። እዚ ድማ “ልደተ ጉባኤ ዘመቃብር” ይበሃል ። እዚ ድማ ሙታን ካብ መቓብር ምውላድ ማለት ኢዩ ። ኣብ ዕለተ ምጽኣት ማለት ኣብ ትንሣኤ ዘጉባኤ ካብ ሞት እንትንሥኦ በዚ መልክዕ ኢዩ።  
ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

 

 

ተፈጸመ


ጸሓፊ ሊቀ ሊቃውንት ስምዐ ኮነ መልአክ
ተርጓሚ ዲያቆን ሓጎስ
፲፱-፰-፳፻፲/27-04-2018