01 May 2018

ኣርዮስን ተኸተልቲ ኣርዮስን ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዘምጽእዎ ሽግር ።

      Part 1       
ኣርዮስን ተኸተልቲ ኣርዮስን ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዘምጽእዎ ሽግር ።


ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ውሽጢ እተን ቀዳሞት ኣርባዕተ  ሚኢቲ ዓመታት ብብዙኅ መአዝናት ዝተፈላለዩ ሽግራት ስለዝገጠምዋ ኣዝያ ትሳቐ ነበረት። ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን  ዝበጽሑ ሽግራት ካብ ክልተ መአዝናት ዝመጹ ነበሩ ። ቀዳማይ ካብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ክኸውን ከሎ ካልኣይ ድማ  ካብኣ ካብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ነበሩ ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ግዜ መብዛሕትኡ ካብቶም ካብ ወገን ኣሕዛብ ዝኾኑ ነገሥታት ዝመጽእ ክኸውን ከሎ ፡፩ይ ናይ መንግሥቲ ሮማ ገዛእትን ፣ ኣበየ ክፍላተ ሃገሩ ዝነበሩ ናቶም ወከልትን ክርስቲያናት ነቶም ንሳቶም ዘምልኽዎም ዝነበሩ ጣዖታት ስለዘይቅበሉን ጨሪሶም ውን ስለዘውግዝዎምን ፡
፪ይ ከምቲ ኣሕዛብ ዝገብርዎ ክርስቲያናት ውን ነቶም ናይ ሮም ነገሥታት ናይ ኣምልኾ ክብሪ ስለ ዘይህቡ ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ክርስቲያናትን ኣኣብ ግዚኡ ስደት ተአዊጁ እናተሳቐዩ ነበሩ ፡
፫ይ ናይ ጣዖታት ካህናትን ፣ ሰራሕቲ ጣዖትን ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ሃይማኖት ክርስትና ናይ ጣዖት ኣምልኾ ኣዚዩ ስለዝቐነሰን ፣ ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ውን ጨሪሱ ስለዝጠፍአን መነባብሮኦም ብምምዝባሉ ምስቶም ናይ ኣሕዛብ ነገስታት ወጊኖም ኣብ ልዕሊ ክርስቲያናት እዚ ዘይበሃል ሽግር ይፈጥሩ ነበሩ ። ኣብ ውሽጢ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን  ዝተላዕሉ ሽግራት ውን ኣዝዮም ብዙሓትን ዝኸፍኡን ነበሩ ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ጊዜ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዙኅ ምፍልላይን ፣ ምክፍፋልን ስለዝተራእየ ፣ እታ ሓንቲ  ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ናብ ብዙኃት ክፋላት ትኽፈል ዶ ትኸውን ብምባል ተፈሪሑ ነበረ። ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ከምዝተጠቕሰ ኣብ መንጎ እቶም ካብ ኣይሁድነት ናብ ክርስትና ዝመጹን ካብ ወገን ኣሕዛብ ናብ ክርስትና ዝመጹን ዝተራእዩ ብዙኃት ፍልልያት ነበሩ ። እዚ ጸገም እዚ ኣብ መበል ፶፩ ዓ/ም ቅዱሳን ሓዋርያት ብዝገበርዎ ናይ መጀመርታ ዝበሃል ጉባኤ ብዝተዋህቦ ውሳኔ መፍትሒ ተረኺብሉ  ብመጠኑ እኳ እንተ ኾነ  እቲ ጸገም ተወጊዱ ነበረ ። ዳሕራይ ውን ኣብ መበል ካልኣይን ሳልሳይን ዓ/ም ዝተንሥኡ ዶኬቲካውያን ፣ ግኖስቲካውያን ፣ ናይ ሰባልዮስን ፣ ጳውሎስ ሳምሳጢን ተኸተልቲ ዝነበሩ መናፍቓን ተንሢኦም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝኸፍአ ዕግርግር ተንሢኡ ነበረ ። እዚ ጸገም እዚ ውን ከካብ ክፍላተ ሃገሩ ብዝተጸውዑ ሲኖዶሳት(ጉባኤያት) ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ተሓልዩ ጸንሐ ። ከምኡውን   ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዶግማ ምስጢረ ሥላሴ ኣብ መንጎ መምህራን ብዙኅ ፍልልይ ተፈጢሩ ነበረ ። ከም ናይ በዓል ጳውሎስ ሳምሳጢን ፣ ናይ ሰባልዮስ ናይ ኑፋቄ ትምህርትን ብናይ ቤተ ክርስቲያን  ኣህጉራዊ ሲኖዶሳት ተወጊዞም በዚ ምኽንያት ዝተላዕለ ጭቕጭቕ ንግዚኡ ርግእ ኢሉ ነበረ ። ነገር ግን ድሕሪ ናይ ፍርቂ ዘመን ብናይ ኣርዮስ ናይ ምስጢረ ሥላሴ ትምህርቲ  ምኽንያት ማለት ኣርዮስ “ ወልድ ፍጡር ኢዩ” (ሎቱ ስብሓት) ኢሉ ብምትንሣኡ ቤተ ክርስቲያን ንብዙኅ ዓመታት ክትህወኽን ፣ ክትርበሽን ጸንሐት ።
፩. ናይ አርዮስ ክሕደት (ኑፋቄ) ትምህርቲ
ኣርዮስ  መፋርቕ ሣልሳይ ሚኢቲ ድሕሪ ማለት ፪፻፷  ዓ/ም አከባቢ ኣብ ሰሜናዊ ኣፍሪቃ ኣብ ሊብያ ተወልደ ። ስሙ ከምዘመልክቶ ዘርኢ ትውልዱ ( ሓረግ ዘርኡ) ካብ ግሪኽ ክኸውን ከሎ ካብ ክርስቲያን ዝኾኑ ስድራ ቤተ ዝተወልደ ነበረ። ኣብ  ትውልዲ ሃገሩ መሰረታዊ ትምህርቱ ምስ ወድአ ናብ ዝለዓለ መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ  ናብ እስክንድርያ ኣትዩ ዝለዓለ ትምህርቲ ተማህረ ። ኣርዮስ ኣብ እስክንድርያ ዝለዓለ ቤት ትምህርቲ ትምህርቱ ድሕሪ ምውድኡ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ከይዱ  ኣብ ኣንጾኪያ ዝርከብ ላዕለዋይ መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ኣትዩ ዝለዓለ ናይ ትርጓሜ መጻሕፍቲን ናይ ነገረ መለኮት ትምህርትን ተማህረ ። መምህሩ ድማ ሉቅያኖስ ዝተባህለ ፍሉጥ ነበረ ። ካብ ናይ እስክንድርያ ቤተ ትምህርቲ ንላዕሊ ናይ ኣንጾኪያ ቤተ ትምህርቲ ንናይ ኣርዮስ ናይ ክሕደት ትምህርቲ ቅርበት ከምዘለዎ ብዙኃት ሊቃውንቲ ይዛረቡ ። አርዮስ ዝበዝሐ ናይ ኑፋቄ ትምህርቱ ካብ ሉቅያኖስን ካብ ናይ ኣንጾኪያ ቤተ ትምህርቲ   ዝረኸቦ ነበረ። ዘድለዮ ትምህርቲ  ድሕሪ ምውዳኡ ናብ እስክንድርያ ተመሊሱ መነባብሮኡ ኣብኡ ገበረ። ኣርዮስ ኣዝዩ በሊሕን ፈላጥን ስለዝነበረ ብዙኃት ሰባት የድንቅዎ ነበሩ ። ኣንደበተ ርቱዕ ስለዝነበረ ድማ ተዛሪቡ ንሕዝቢ ብቐሊሉ ከእምን ዝኽእል ከምዝነበረ ይንገረሉ   በቲ ዝነበሮ ፍልጠትን ዓቢይ ናይ ምዝራብ ክእለትን ናይ እስክንድርያ ፓትርያርክ ዝነበረ ተፍጻሜተ ሰማዕት ቅዱስ ጴጥሮስ ዲቁና ሸሞ ። ናይ እስክንድርያ ላዕለዋይ መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ካብቲ ዝህቦ ዝነበረ መንፈሳዊ ትምህርቲ ንላዕሊ ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ብፍላይ ድማ ናይ ፕላቶን ይምህሩ ስለዝነበሩ አርዮስ ውን ፍልስፍና ብፍላይ ድማ ሓድሽ ፕላቶኒዝም(Neo platonism) ዝበሃል ፍልስፍና ብዝግባእ ተማህረ ።   
ከምኡውን ኣብ ናይ እስክንድርያ ላዕለዋይ ቤት ትምህርቲ ዓቢይ መምህር ካብ ዝነበረ ኣርጌንስ(Origen) ዝተባህለ ሰብ ዝተሓዋወሰ ናይ ምስጢረ ሥላሴ ትምህርቲ ተኸቲሉ ምጉዓዝ ጀመረ ። ኣርጌንስ ኣብ ናይ ሚስጥረ ሥላሴ ትምህርቱ ኣብ ካብ ወልድ ፣ ወልድ ውን ካብ መንፈስ ቅዱስ ብዕድሜን ብመዓርግን የበላልጽ ኔሩ ። አርጌንስ ንኣብን ፣ ወልድን ፣ መንፈስ ቅዱስን ብምብልላጽ ኣብ ካብ ወልድ ከምዝበልጽ መንፈስ ቅዱስ ድማ ካብ ወልድ ከምዝንእስ የስተምህር ነበረ ። ስለዚ ናይ ኣርዮስ ናይ ክሕደት ትምህርቲ  ምንጩ ካብ ኣርጌንስ ከምዝኾነ አየጠራጥርን ። ዋላ እኳ ኣርጌንስ ኣስተምህሮኡ ብዛዕባ ቅድስቲ ስላሴ እንተ ነበረ ፣ ኣርዮስ ኣነጺሩ ዝተዛረቦ ናይ ኑፋቄ ትምህርቲ ግን ስለ ኣቦን ወልድን ኢዩ ። ብጠቓላላ ክሕደት ኣርዮስ እዚ ዝስዕብ ኢዩ።
v      . ኣቦ ጥራይ ዘለዓለማዊ (ዘአልቦ ጥንት ወኢተፍጻሜት) ኢዩ። ወልድ ግን ዘለዓለማዊ ኣይኮነን ። ነገር ግን ንሱ ዘይነበረሉ ጊዜ ኔሩ ማለት “ሀሎ ኣመ ኢሀሎ” (ንሱ ዘይነበረሉ ጊዜ ኔሩ ኢዩ) እናበለ ከስተምህር ጀመረ ። ስለዚ ኣብ ኣቦ ተባሂሉ ዝተጸውዐን ከም ኣቦ ዝተፈልጠን ድሕሪ ዘመናት እምበር ቅድሚ ዘመናት ኣቦ ይበሃል ኣይነበረን በለ ። ነዚ ዝበለ “““ወልድ ፍጡር ኢዩ””’’(ሎቱ ስብሓት) ብምባል ወልድ ዘይነበሮ ጊዜ ኔሩ ኢዩ ንማለት ነበረ ።    
v      . ናይ ኣርዮስ ቀንዲ ናይ ክሕደት ትምህርቱ “ወልድ ፍጡር ኢዩ” (ሎቱ ስብሓት) ማለት “ ወልድ  ቅድሚ ምፍጣሩ ኣይነበረን” ዝብል ነበረ ። “ ኣቦ ንወልድ ካብ ማንም ፈጠሮ እሞ ወዲ እግዚኣብሔር ከምዝኸውን ገበሮ ፣ ንወልድ ጥበብ ፣ ቃል ዝበሃሉ ናይ ኃይሊ ኣስማት ኣለዉዎ ……….. እናበለ የስተምህር ነበረ ። ንኽሕደቱ መሰረት ዝዀኖን ኵሉ ጊዜ ዝጠቕሶ ዝነበረን “ ትቤ ጥበብ ፈጠረኒ መቅድመ ኵሉ ተግባሩ፣ ጥበብ ካብ ፍጥረታት ቅድሚ  ኣቐዲሙ ንዓይ ፈጠረኒ በለት” ተባሂሉ ኣብ መጽሓፈ ምሳሌ ፰፥፳፪ ተጠቒሱ ዘሎ ኃይለ ቃል ነበረ ። ብኣተሓሳስባ ኣርዮስ ጥበብ ተባሂሉ ዘሎ እግዚኣብሔር ወልድ ኢዩ ፣ ስለዚ እግዚኣብሔር ኣቦ መጀመርታ ንወልድ ፈጠረ ። ድሕሪ እዚ ድማ ወልድ ንዓለምን ኣብ ዓለም ንዘሎን ኵሉ ፈጠረ ኢሉ ይኣምን ነበረ። ብዘይ ወልድ ዝተፈጥረ ነገር የለን እናበለ የስተምህር ነበረ።
v      . ካልእ ውን ኣርዮስ ወልድ ካብ ኣቦ ከንእስ “ወልድ ብባሕርዩ ምስ ኣቦ ሓደ ኣይኮነን” ይብል ነበረ ። ብኻልእ ወገን ድማ ንወልድ ካብ ካልኦት ፍጡራት ኣዝዩ የልዕሎ። ወልድ ወዲ ኣቦ ዝበሃል ብጸጋ ከምዝኾነ ይዛረብ። ከምኡውን ወልድ ኣብ ምድራዊ ሕይወቱ ብዘርኣዮ ዓቢይ ትሕትናን ተጋድሎን ብባሕርይ ዘይኮነስ ብጸጋ ናይ ኣምላኽነት ክብሪ ከምዝረኸበ ኣርዮስ ኣጽኒዑ ይዛረብ ነበረ ።
v      . ብኣረአእያ ኣርዮስ ወልድ ብባሕርዩ ፍጹም ስለዘይኮነ ናይ ኣቦ መለኮታዊ ባሕርይ ንምርኣይን ንምፍላጥን ኣይክእልን ይብል ነበረ።
v      . ኣርዮስ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ክዛረብ ከሎ “ናይ ኣቦ ናይ መጀመርታ ፍጥረት ወልድ ከምዝኾነ ፣ መንፈስ ቅዱስ ውን ናይ ወልድ ናይ መጀመርት ፍጥረት ኢዩ” ይብል ነበረ።
         ነዚ ናይ ኣርዮስ ክሕደት ዝሰምዐ ናይ እስክንድርያ ፓትርያርክ ተፍጻሜተ ሰማዕት ቅዱስ ጴጥሮስ ንኣርዮስ ጸዊዑ ንሱ ዘስተምህሮ ዘሎ ትምህርቲ ፍጹም ስሕተት ከምዝኾነ ገሊጹ ናብቲ ብቅዱሳን ኣቢሉ እናተመሓላለፈ ክመጽእ ዝጸንሐ ኦርቶዶክሳዊ እምነት ክጸንዕ መኸሮ ። ኣርዮስ ግን ነቲ ተፍጻሜተ ሰማዕት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመኸሮ ምኽሪ ንጎኒ ገዲፉ ክሕደቱ ብሰፊሑ ምስትምሃር ደኣ ቀጸለ። ነዚ ዝተገንዘበ እዚ ቅዱስ ኣቦ ንኣርዮስ አውጊዙ ካብ ናይ ዲቁና መዓርጉ ሰዓሮ ። ትውፊት ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ከምዝብሎ ተፍጻሜተ ሰማዕት ቅዱስ ጴጥሮስ ንኣርዮስ ዘውገዞ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብራእይ ተገሊጹ ብዝሃቦ ትእዛዝ መሰረት ኢዩ ።
ይቕጽል………………..  ምንጪ ጽሑፍ ኣብዙ ጠውቑ
በቀሲስ ዶ/ር ምክረ ሥላሴ ገብረ አማኑኤል ከም ዝጸሓፍዎ
ዲያቆን ሓጎስ ከምዝተርጐሞ
Hagostesfa12@gmail.com