18 April 2018

መን ፈጠረካ⋮

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
 ምሥጢረ ሥላሴ(1ይ ክፋል)
* መን ፈጠረካ⋮
- ሥላሴ፡፡
* ብመን ከ ተኣምን⋮
- ብሥላሴ፡፡
* ሥላሴ ክንደይ እዮም⋮
- ፫ተ ይኾኑ ፩ ይኾኑ፡፡
* ብምንታይ ፫ተ ይኾኑ⋮
- ብስም፣ብግብሪ፣ብኣካል
* ብምንታይ ከ ፩ደ ይኾኑ⋮
- ብባህርይ፣ብሥልጣን፣ ብፍቓድ፣ ብመለኮት።
* እንታይ ከ ስሞም⋮
- አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ
* እንታይ ከ ግብሮም⋮
- አብ ወላዲ፡ ወልድ ተወላዲ፡ መንፈስ ቅዱስ ሠራጺ፡፡
* አብ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧
- ኣቦ፡፡
* ናይ መን ኣቦ⋮ ናይ ወልድ
* ወልድ ማለት ከ⋮ውሉድ፡፡
* ናይ መን ውሉድ⋮
- ናይ አብ ፡፡
* መንፈስ ቅዱስ ማለት ከ⋮
- ሠራጺ፡፡
* ካብ መን ዝሠረጸ⋮
- ካብ አብ፡፡
* ካብ ወልድ ኸ ይሠርጽ ድዩ⋮
- ኣይሠርጽን፡፡
እንታይ ደኣ ወንጌል ዮሓንስ ኣብ ምዕ.16 ቍ. 15 “እምዚአየ ይነሥእ” ዝብል፡
- እሞ ይሠርጽ’ዶ ኢሉ⋮ቃል እዩ “ይነሥእ” ዝበለ እምበር፡፡
ቃል ከ ኣበይ ኢሉ⋮“ይነሥእ እምኔየ” ኢሉ ዶ ስቕ ኢሉ፡፡ ወይነግረክሙ በለ እምበር፡፡
* ኣካል ዝተባህለ እንታይ እዩ⋮
- ኢድ፡ እግሪ፡ ዓይኒ፡ ስኒ፡ ኣፍ፡ ጽፍሪ፡ ካብ ጽፍሪ እግሪ ኂዙ ክሳዕ ጸጉሪ ርእሲ፡፡
- ንአብ ፍጹም ገጽ፡ ፍጹም ኣካል፡ ፍጹም መልክዕ ኣለዎ፡፡
- ንወልድ ፍጹም ገጽ፡ ፍጹም ኣካል፡ ፍጹም መልክዕ ኣለዎ፡፡
- ንመንፈስ ቅዱስ ፍጹም ገጽ፡ ፍጹም ኣካል፡ ፍጹም መልክዕ ኣለዎ፡፡
- ናይ ሥላሴ መልክዖም ሰብ ይመስሉ፡፡
* ሥላሴ ኣካሎም ከመይ እዩ⋮
- ምሉእ፡ ስፉሕ፡ ረቂቅ፡፡
* ናይ ሰብ ከ⋮
- ግዙፍ፡ ውሱን፡ ጸቢብ፡፡
* ምልኣቶም ከ ከመይ እዩ⋮
- ከም ብርሃን፡ ከም ሙቐት፡ ከም ንፋስ፡፡
* ስፍሓቶም ከ⋮
- ካብ ጽርሐ ኣርያም ንላዕሊ ቁመቱ፡ ካብ በርባሮስ ንታሕቲ መሠረቱ፡፡ እዚ ስለ ዝኾነ ሰብ ብዝፈልጦ ምንጋር እዩ እምበር፡ ንሥላሴ ዓለም ኣይውስኖምን፡ ንሳቶም ንዓለም ይውስኑ እምበር፡፡ እዚ ዓለም ድማ ከም ሰብ ኣብ ቤት ዘሎ ከም ኣቕሓ ኣብ ሳንዱቕ ዘሎ እዩ ፣ ሰብ ንቤት ኣቕሓ ንሳንዱቕ ኣይውስኖን፣ ሥላሴ ድማ ንዓለም ይውስንዎ እምበር ዓለም ንሥላሴ ኣይውስኖምን።
* ርቀቶም ከ ከመይ እዩ፧
- ካብ ኵሉ ንፋስ ይረቅቕ ። ካብ ንፋስ እሳት ፡ ካብ እሳት መላእኽቲ ፡ ካብ መላእኽቲ ነፍስና ትረቅቕ ፡ካብ ነፍስና ድማ ሥላሴ ይረቁ።
* ነፍስና ንሥላሴ ከመይ ኢላ ትረኣዮም⋮ - ከም እምባ፡፡
* ናይ ሥላሴ ባህርዮም እንታይ እዩ⋮
- ዘይጠሚ፡ ዘይጸምእ፡ ዘይሓምም፡ ዘይደክም፡ ዘይመውት።
* ናይ ሰብ ከ⋮
- ጠማዪ፡ ጸማኢ፡ ሓማሚ፡ ደኻሚ፡ መዋቲ እዩ፡፡
* ሥላሴ ናይ ሓድነት ስሞም እንታይዩ⋮
- እግዚአብሔር፣ ኣምላኽ፡ ፈጣሪ፡ ጸባዖት፣ ኣዶናይ፡ መለኮት፡፡
* ናይ እግዚአብሔር ወልድ ከ ስመ ሥጋዌኡ እንታይ እዩ⋮
- ኢየሱስ፣ ክርስቶስ፡ መድኃኔ ዓለም ኣማኑኤል፡፡
* ኢየሱስ ማለት እንታይዩ⋮
- ፈውሲ፡፡
* ክርስቶስ ማለት ከ⋮
- ክቡር፡ ክብሩ ግና ካብ ካልእ ኣይደልዮን ናይ ባህርዩ እዩ፡፡
* መድኃኔ ዓለም ማለት ከ⋮
- ተሰቒሉ ዓለም ዘድኃነ፡፡
* ዓለም ዝተባህለ እንታይ እዩ⋮
- ሰብ፡፡
* ኣማኑኤል ማለት ከ⋮
- ኣምላኽ ከሎ ሰብ፡ ሰብ ከሎ ኣምላኽ ዝኾነ፡፡
* ናይ ሰብ ባህርይ ስሙ እንታይ ይበሃል፧
- ሰብ
* ናይ ግብሪ ስሙ ኸ⋮
- መልኣክ፡ ሰይጣን ይበሃል፡፡
* እንታይ እንተኾነ መልኣኽ ይበሃል⋮
- እንተ ጾመ፡ እንተ ጸለየ፡ እንተ ተፋቐረ፡ እንተቘረበ፡ እንተ ሰገደ፡፡
* እንታይ እንተ ገበረ ከ ሰይጣን ይበሃል⋮
- እንተ ዘይጾመ፡ እንተ ዘይጸለየ፡ እንተ ዘይተፋቐረ፡እንተዘይቈረበ፡ እንተ ዘይሰገደ።
* ሥላሴ ብዅሉ ምሉኣት ድዮም⋮
እወ ብሰማይ፡ ብምድሪ፡ እወ ብባሕሪ፡ብየብስ፡እወ፡ብዕንጸይቲ፡ ብእምኒ፡ ብእንስሳ፡ ብኣራዊት፡ ብኃጥኣን፡ ብጻድቃን፡ ብኣጋንንት ብመላእክት፡፡
* ኣብ ኃጥኣን ከመይ ኢሎም ይኃድሩ⋮
- ከም እተደጐለ ሓዊ ከም ኣብ ቁራዕ ዘሎ ሜስ፡፡
* ኣብ ጻድቃን ከመይ ኢሎም ይኃድሩ⋮
- ከም ኣብ ፋኑስ ዘሎ መብራህቲ፡ ከም ኣብ ብርጭቆ ዘሎ ሜስ፡፡
* ኣብ ጐድፍ ኣብ ጸብሪ ኣለዉዶ⋮
- እወ ኣለዉ፡፡
* ኣይጽይቖምን ዶ⋮
- ከመይ ደኣ ብርሃን ፀሓይ ዘይጽየቕ፡ ኣይጽየቑን እዮም፡፡
             ይቅጽል . . .
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡አሜን!

ምሥጢረ ሥላሴ (2ይ ክፋል)  
፠ ናይ መን ሥጋ ትበልዕ⋮
- ናይ እግዚአብሔር ወልድ፡፡
፠ ናይ እግዚአብሔር አብን ናይ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስን ከ⋮
- ኣይበልዕን፡፡
፠ እንታይ ኴንካ⋮
- ረቀቕቲ ኮይኖም፡፡
፠ ንሱስ ረቂቕ ዶ ኣይኮነን⋮
- ምስ ግዙፍ ሥጋ ተዋሒዱ እዩ፡፡
፠ ንሳቶም ዘይተዋሓዱ ኣርሒቖምና ጸሊኦምና ድዮም፡ ወይስ ንሱ ዕጫኡ በጺሕዎ ሰብ ዝኾነ ንሳቶም ሰብ ዘይኮኑ⋮
- ኣይኮነን ስለ ስሞም ከይልወጥ እዩ፡፡
፠ እትበልዖ ሥጋ ምዉት ድዩ ሕያው⋮
- ምዉት ብሰብነቱ፡ ሕያው ብመለኮቱ፡ ነፍስ እተፈለየቶ መለኮት ዝተዋሓሓዶ አብን መንፈስ ቅዱስን ህልዋን ዝኾንዎ፡፡
፠ ምዉት ብሰብነቱ እተባህለ መን እዩ⋮
- መለኮት፡፡
፠ ሕያው ብመለኮቱ ዝተባህለ ኸ መንዩ⋮
- ሥጋ፡፡
፠ ናይ ሥላሴ ህልውናኦም ከመይ እዩ⋮
- ከም ልቢ፡ ከም ቃል፡ ከም እስትንፋስ
፠ ሥላሴ ከም 3ተ ሰብ ድዮም ከም ሓደ ሰብ⋮
- ከም ሓደ ሰብ፡፡
፠ ኣብ ሠለስተ ሰብ ክንደይ ልቢ ኣሎ⋮
- ሠለስተ፣
፠ ክንደይ ቃል ኣሎ⋮
- ሠለስተ፣
፠ ክንደይ እስትንፋስ ኣሎ⋮
- ሠለስተ፣
፠ ኣብ ሥላሴ ኸ ክንደይ ልቢ ኣሎ⋮
- ሓደ
፠ ክንደይ ቃል ኣሎ⋮
- ሓደ
፠ ክንደይ እስትንፋስ ኣሎ⋮
- ሓደ፡፡
፠ መን ልቦም⋮
- አብ፣
፠ ቃሎም ከ⋮
- ወልድ፣
፠ እስትንፋሶም ከ⋮
- መንፈስ ቅዱስ፡፡
፠ ንአብ መን ልቡ⋮ ባዕሉ፣ ፠ ንወልድ መን ቃሉ⋮ ባዕሉ፣ ፠ ንመንፈስ ቅዱስ መን እስትንፋሱ⋮ ባዕሉ፡፡
፠ እግዚአብሔር ወልድ ካብ አብ መዓስ ተወልደ⋮
- ንዘለዓለም እናተወልደ ይነብር፡፡ “ኢየሐፅፅ ልደቱ ወኢይትመተር ልደቱ እም አብ” ፣
፠ ካብ እግዝእትነ ማርያም ክፅነስ ከሎኸ⋮
- ካብ አብ እናተወልደ ይነብር፡፡
፠ እቲ ካብ እግዝእትነ ማርያም ክውለድ ከሎ ኸ⋮
- ካብ አብ እናተወልደ ይነብር፡፡
፠ ክስቀል ከሎ ኸ⋮
- ካብ አብ እናተወልደ ይነብር፡፡
፠ መንፈስ ቅዱስ ከ ካብ አብ መዓስ ሠረጸ⋮
- ዘለዓለም ክሠርጽ ይነብር፡፡ ከም ፈልፋሊት ማይ ዘይትነጽፍ ፣ “ከመ ነቅዕ ዘይፈለፍል” ከም ዝበለ ቅዱስ ቄርሎስ ኣብ ተረፈ ጎርጎርዮስ ገባሬ መንክራት፡፡
፠ እንታይ እዩ ሃይማኖትካ⋮
- ተዋሕዶ
፠ ተዋሕዶ ማለት እንታይ እዩ ⋮
- ቃል ሥጋን ዝተዋሓሓደ፣ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ዝኾነ፣ ‘ ቃል ሥጋ ኮነ’ ከም ዝበለ ዮሓንስ (1፥14)።
፠ ብምንታይ ምኽንያት ተዋሓሓደ⋮
- ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ መጺኡ ንእግዝእትነ ማርያም ብድንግልና ክትፀንሲ፣ ክትወልዲ ኢኺ በላ። ንሳ ድማ ምድሪ ብዘይ ዘርኢ እትፈሪ፣ ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ እትወልድ ኣበይ ርኢኻ በለቶ። ሉቃ 1፥31-38 ንሱ ድማ ንእግዚአብሔር እሞ እንታይ ይሰኣኖ ኾይኑ ኵሉ ይከኣሎ እዩ በላ፣ ንሳ ድማ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነኒ በለቶ። ይኹነኒ ምስ በለቶ ብቕልጡፍ ከም ብርሃን ከም ዓይኒ፣ ከም ምስማዕ ከም እዝኒ፣ ካብ ሥጋኣ ሥጋ፣ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ኮነ፣ ኣምላኽ ሰብ ኮነ፣ ሰብ ኣምላኽ ኮነ፣ “ ውእቱ እግዚአብሔር ዘኮነ ሰብአ ወውእቱ ሰብእ ዘኮነ ኣምላከ” ከምዝበለ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናዙ ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ።
ረቂቕ ግዙፍ ኮነ፣ ግዙፍ ረቂቕ ኮነ። ምሉእ ውሱን ኮነ፣ ውሱን ምሉእ ኮነ። ወልደ አብ በመለኮቱ ወወልደ ማርያም በትስብእቱ ክልተ ልደት ብተዋሕዶ ኸበረ። ብተዋሕዶ ንአብ ናይ ባህርይ ወዱ ኾነ። ከም በትረ ሙሴ፣ ከም ሰበይቲ ሎጥ፣ ከም ማየ ግብጽ፣ ከም ማይን ጸባን ኣይኮነን።
፠ ከመይ ኢሉ ደኣ ተወሓሓደ⋮
- ከም ሓውን ሓፂንን፣ ከም ነፍስን ሥጋን እዩ።
፠ በትረ ሙሴ እንታይ ዝኾነትያ⋮
- በትሪ ነይራ ተመን ዝኾነት እያ፣ (ዘፀ 4፥2-3)
፠ ሰበይቲ ሎጥ ከ⋮
- ሰበይቲ ነይራ ጨው ዝኾነት፣ ( ዘፍ 19፥26)
፠ ማይ ግብጺ ኸ ⋮
-ማይ ነይሩ ደም ዝኾነ፣ (ዘፀ 7፥20)
፠ እዚ እንታይ ይበሃል⋮
- ተለወጠ ይበሃል እምበር ተዋሓሓደ ኣይብሃልን፣
፠ ማይን ጸባን ከ ⋮
- ተሓዋወሰ ይበሃል እምበር ተዋሓሓደ ኣይብሃልን።
፠ እዚ ዘይፈልጥ ሰብ ክርስቲያን ተዋሕዶ እየ ክብል ኣይክእልን እዩ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር