04 May 2018

ኣርዮስን ተኸተልቲ ኣርዮስን ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዘምጽእዎ ሽግር ።

  Part 2
             ሓደ ለይቲ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብራእይ ብኣምሳል ሓደ ከም ጸሓይ ዘንጸባርቕ ጻዕዳ ቀሚሽ ዝለበሰ ቆልዓ ተገሊጹ ተራእዮ ። እቲ ዝለበሶ ልብሲ ኣብ ክልተ ዝተቐደደ ኮይኑ ምስ ረአዮ ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ደንጊጹ ንጎይታ “መኑ ሰጠጣ ለልብስከ ፣ ልብስኻ መን ቀደደልካ” ኢሉ ሓተቶ ። ጎይታ ድማ “ኣርዮስ ንልብሰይ ቀደደለይ” ኢሉ መለሰሉ ። እዚ ማለት ድማ አርዮስ ካብ ናይ ባሕርይ ኣቦይ ካብ ኣብ ፈለየኒ (ኣንኣሰኒ) ማለት ኢዩ ። ጎይታ ከኣ ንኣርዮስ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ኣብ ናይ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ንኸይቅበሎ ንቅዱስ ጴጥሮስ ኣዚዙ ተሰወሮ ። ተፍጻሜተ ሰማዕት ቅዱስ ጴጥሮስ ነዚ ራእይ እዚ ዝረአየ ብናይ ዲዮቅልጥያኖስ ስደት ንኽቕተል ተአሲሩ ኣብ ዝነበረሉ ወቕቲ ነበረ። አርዮስ ከኣ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝቕተል ፈሊጡ ካብ ውግዘቱ ከይፈትሖ ከይመውት ካብ ውግዘቱ መታን ክፈትሖ መማለድቲ ለአኸሉ ። ተፍጻሜተ ሰማዕት ቅዱስ ጴጥሮስ ግን አርዮስ “ብሰማይን ብምድርን ዝተወገዘ ይኹን”
ኢሉ ውግዘቱ ኣጽንዓሉ ። በዛ መዓልቲ እዚኣ ንተመሃሮኡ ንእለእስክንድሮስን ኣኪላስን ጸዊዑ ነቲ ዝረአዮ ራእይ ብምግላጽ ንኣርዮስ ከይቅበልዎን ምስኡ ሕብረት ከይህልዎምን ኣዘዞም ።

     ተፍጻሜተ ሰማዕት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ሞተ ብ፫፻፲፪ ዓ/ም ኣኪላስ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳስ (ፓትርያርክ) ኮይኑ ተሾመ ።ኣብዚ ጊዜ’ዚ ኣርዮስ ካብ ክሕደቱ ዝተጠዓሰ መሲሉ ናይ ፓትርያርክ ኣኪላስ ቀረበ ። ደገፍቲ ናይ ኣርዮስ ናብ ፓትርያርክ ኣኪላስ ቀሪቦም ካብ ውግዘቱ ንኽፈትሖ ልመና ብምቕራቦም ፣ ፓትርያርክ ኣኪላስ ነቲ አቐዲሙ ብተፍጻሜ ሰማዕት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተዋህቦ ሓደ ረሲዑ ንኣርዮስ ካብ ውግዘቱ ፈትሖ ። ካብኡ ብዝበአሰ ውን ናይ ቅስና መዓርግ ብምሃብ ሸሞ ። ናይ ሰማዕት ቅዱስ ጴጥሮስ ትእዛዝ ስለ ዘይሓለወ ናይ መቕሰፍቲ ሞት ሞተ ይበሃል ። ኣብ ክንዲ ኣኪላስ ከኣ ጽቡቕ ስም ዝነበሮን ዘመኑ ምሉእ ንቤተ ክርስቲያን ዝተጋደለን ቅዱስ ኣቦ እለእስክንድሮስ (፫፻፲፪-፫፻፳፰) ብምርጫ ካህናትን ምእመናንን ተሸመ ። ሽዑ ንሽዑ ከኣ እለእስክንድሮስ ብወግዒ ናይ ኣርዮስ ክሕደት እናተቓወመ ንኣርዮስ ኣውገዞ ። ናይ ኣርዮስ ደገፍቲ ንኣርዮስ ምስ ፓትርያርክ እለእስክንድሮስ ንምስምማዕ ዝከአሎም እኳ እንተ ገበሩ እለእስክንድሮስ ግን ካብ ውሳኔኡ ኣይዕጸፍን በለ ። ኣርዮስ ተጣዒሱ ስሕተቱ ንጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ተናዚዙ እንተ ተመሊሱ ፣ ጎይታ ምልክት ስለዝህቦ ፣ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ከምዝቕበሎ ነጊሩ ኣሰናበቶም ። ኣርዮስ ናይ ክሕደት ትምህርቱ ብድፍረት ኣብ ኵሉ እናዝርግሐ ቀጸለ ። ሕዝቢ ነቲ ክሕደት ትምህርቱ ብቐሊሉ መታን ክቕበሎ ብግጥምን ፣ ብቁም ንባብን እና ኣዳለወ ክብትን ጀመረ ። ናይቲ ግጥሚ ኣንቀጻት “ታሊያ” ይበሃል ነበረ ። ትርጒሙ ድማ “መኣዲ” ማለት ኢዩ ። እቲ ሕዝቢ ግጥሚ ምንባብ ስለዝፈቱን ፣ ብግጥሚ መልክዕ ዘንበቦ ስለዘይርስዕን ናይ ኣርዮስ ትምህርቲ ንምቕባል ቀሪቡ ኔሩ ክበሃል ይከአል ። ሊቀ ጳጳሳት እለእስክንድሮስ ውን ምእመናን ካብ ናይ አርዮስ ናይ ክሕደት ትምህርቲ መታን ክሕለዉ እናዞረ ከስተምህሮምን ከጠንቕቖምን ጀመረ ። ፓትርያርክ እለእስክንድሮስ ብ፫፻፲፰ ዓ/ም ኣብ እስክንድርያን ከባቢኣን ዝርከቡ ጳጳሳትን ካህናትን ኣኪቡ ንኣርዮስን ተኸተልቱን ብጉባኤ ኣውገዞም ። ኣርዮስ ካብ ስሕተቱ ብዘይ ምምላሱ ፓትርያርክ እለእስክንድሮስ ፫፻፳፩ ዓ/ም ሓደ ሚኢቲ ዝኾኑ ካብ እስክንድርያን ፣ ሊብያን ኤጲስቆጶሳት ኣኪቡ ጉባኤ ብምግባር ናይ ኣርዮስ ክሕደት ብዝርዝር ኣረድኦም ። እቲ ጉባኤ ብግቡእ ምስ መርመሮ ንኣርዮስ ብሓደ ድምጺ ኣውገዞ ። ኣርዮስ ብወገኑ እናዞረ “እለእስክንድሮስ ሰባልዮሳዊ ኢዩ ፣ ሰባልዮሳዊ ናይ ክሕደት ትምህርቲ የስተምህር” እናበለ ናይ ሊቀ ጳጳሳት እለእስክንድሮስ ስም ከጸልም ጀመረ ። ብመሰረቱ ምስ ናይ ሰባልዮስ ትምህርቲ ዝቃረብ “ወልድ ፍጡር ኢዩ” ( ክብሪ ንዕኡ ይኹን) ዝብል ናይ ኣርዮስ ትምህርቲ ደኣ እምበር “ወልድ ናይ ባሕርይ ኣምላኽ ኢዩ ፣ ምስ ኣቦ ብባሕርይ ሓደ ኢዩ” ( ዘዋሕድ ምስለ ኣብ በመለኮቱ) ዚብል ትምህርቲ ኣይኮነን ። ናይ ኣርዮስ ትምህርቲ ኣብ እስክንድርያን መላእ ግብጽን ብዙኅ ተቐባልነት ስለዘይረኸበ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ሶርያን ፣ ኣንጾኪያን እናዞረ ቀደም ኣዕሩኽቱ ዝነበሩን ናቱ ትምህርቲ ዝድግፉ ጳጳሳትን ፓትርያርክ እለእስክንድሮስ ብዘይ ኣግባብ ከምዘውገዞን ፣ ከምዘባረሮን ካብኡ ሓሊፉ ውን “እለእስክንድሮስ ናይ ሰባልዮስ ትምህርቲ የስተምህር ኢዩ” እናበለ ስሙ ከጸልም ጀመረ ። ኣብኡ ካብ ዝነበሩ ናይ ኣርዮስ ናይ ቤት ትምህርቲ ጳጳሳት ኣዕሩኽቱ ፣ ንኣብነት ናይ ኒቆምድያ ኤጲስቆጶስ አውሳብዮስ ፣ ናይ ቂሳርያ ኤጲስቆጶስ ኣውሳብዮስ ሓሳብ ናይ ኣርዮስ ይድግፉ ስለዝነበሩ አርዮስ ናይ ክሕደት ትምህርቱ እናዞረ ክምህር ፈቐድሉ ። ካብዚ ሓሊፎም ብድፍረት ናብ እለእስክንድሮስ ቀሪቦም ንኣርዮስ ክቕበሎ ሓተትሉ ። ፓትርያርክ እለእስክንድሮስ ግን ነዚ ነገር እዚ ኣይተቐበሎን ። ፓትርያርክ እለእስክንድሮስ ብወገኑ ናይ ኣርዮስ ክሕደት ብምቅዋም ብምውጋዝን ብዙኅ ደብዳቤታት ኣብ መላእ ግብጽን ማእከላይ ምብራቕን ዘለዉ ጳጳሳትን ኤጲስቆጶሳትን ከመሓላልፍ ጀመረ ። ናይ ኣርዮስ ደጋፊ ብዝኾነ ናይ ኒቆምዲያ ኤጲስቆጶስ ኣውሳብዮስ ሓሳብን ፣ ጠርናፊነትን ኣብ ፫፻፳፪ ን ፫፻፳፫ ዓ/ም በተኸታታሊ ክልተ ጉባኤታት ብምግባር ናይ ኣርዮስ ናይ ክሕደት ትምህርቲ ትኽክል ከምዝኾነን ክውገዝ ውን ኣይግብኦም ብማለት ናይ እለእስክንድሮስ ውግዘት ብምስዓር ንኣርዮስ ፈረድሉ ። ኣርዮስ ድማ ናብ እስክንድርያ ተመሊሱ ናይ ክሕደት ትምህርቱ ብሰፊሑ ክምህር ጀመረ ። ብሰንኪ ናይ ኣርዮስ ናይ ክሕደት ትምህርቲ   ኣብ መላእ ናይ ክርስትና ኣህጉር ዝተላዕለ ዕግርግር ፣ ብምፍላይ ድማ ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣት ሮም ብምዝርግሑ ፣ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ሮም ግዝኣት ብምልኡን ተሃወኸ ። ጳጳሳትን መምህራንን ነንባዕሎም ክጨቓጨቑ ጀመሩ ። በዚ ምኽንያት ሰላም ጠፊኡ ኣብዚ ጊዜ ዚ ናይ መላእ ሮም ንጉሠ ነገሥት ዝነበረ ቆስጠንጢኖስ ዓቢይ እዚ ነገር ኣዝዩ ኣተሓሳሰቦ ። ንጉሠ ነገሥት ቆስጠንጢኖስ ሰላም ኣብ መላእ ግዝኣቱ መታን ክሰፍን ነቲ ዘይምርድዳእ ድማ ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ንምዝሓል መልእኽተኛታት ደብዳበ ኣትሒዙ ናብ ኵሎም ጳጳሳት ክልእኽ ጀመረ ። ኣብ ደብዳቤኡ ድማ ናይ ቃላት ውግእ ክገድፉን ብሰላም ክነብሩን ይሓትት ነበረ።

       ናይዚ መልእኽቲ ጉዳይ ሽማግለን ፣ ኣብ ስፐይን (ስጳኛ Spain) ኮርዲቫ ጳጳስ ዝነበረን ኦስዮስ ደብዳቤ ኣትሒዙ ናብ እስክንድርያ ለኣኾ። ኦስዮስ ድማ ሓደ ጊዜ ምስ እለእስክንድሮስን ናይ ግብጺ ጳጳሳትን ፣ ብካልእ ወገን ድማ ምስ ኣርዮስን ናቱ ደገፍትን ብምዝርራብ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝነበረ ፍልልይ ብዝግባእ ምስ መርመረ ናብ ንጉሥ ተመሊሱ እቲ ነገር ከቢድ ናይ ሃይማኖት ጉዳይ ስለዝኾነ ፣ ናይ መላእ ሕዝበ ክርስቲያን ጳጳሳት ኣብ ዝተረኽብሉ ዓቢይ ጉባኤ ብምጽዋዕ እቲ ምፍልላይ ብጉባኤ ተራእዩ ክውሰን ከምዝሓይሽ ንንጉሠ ነገሥት ቆስጠንጢኖስ ምኽሩ ሃበ ። ቆስጠንጢኖስ ዓቢይ ድማ ነዚ ምኽሪ እዚ ተቐቢሉ መራሕቲ ናይ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝሳተፍሉ ዓለም ለኻዊ ሲኖዶስ ክግበር ኣዋጅ ነገረ ። እቲ ጉባኤ ከኣ ኣብ ኣውራጃ ቢታንያ ርእሰ ከተማ ዝኾነት ኒቅያ ክኸውን ተወሰነ ። ንጉዕዞን መነባብሮን ዝኸውን ወጻኢ ኵሉ ካብ ካዝና መንግሥቲ ክኸውን ድማ ንጉሥ ቆስጠንጢኖስ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ።

       ኣብ መበል ዕስራ ዓመት ንግሥነት ቆስጠንጢኖስ ዓቢይ ኣብ ፫፻፳፭ ዕ/ም ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ሮም ዝነብሩ ሊቃነ ጳጳሳትን ኤጲስቆጶሳትን ፣ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያንን ክእከቡ ጻውዒት ኣቕረበ ። ነፍሲ ወከፍ ኤጲስቆጶስ ክልተ ካህናትን ሰለስተ ምእመናንን (ሊቃውንትን) ሒዙ ክመጽእ ብዝኣዘዞ መሰረት ብዙኃት ካህናትን ምእመናንን(ሊቃውንትን) ተረኺቦም ነበሩ ። ናብቲ ጉባኤ ዝተአከቡ ኣቦታት ክሳብ ፫፻፲፰ ዚኾኑ ነበሩ ። ቁጽሪ ናይቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝተኣከቡ ኣቦታት ፣ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጸሓፍቲ ገሊኦም ልዕል ኣቢሎም ገሊኦም ከኣ ኣትሒቶም ይጽሕፉ ። ንኣብነት ናይ ቂሳርያ አውሳብዮስ ፪፻፶ ክብል ከሎ ፣ ቴዎዶሬት ድማ ፪፻፸ ይብል ፣ ከምኡ ውን ሶቅራጠስ ፫፻ ፣ ሶዞሜን ድማ ፫፻፳ ነበሩ ይብል ።

      ኣብቲ ጉባኤ ዝተአከቡ ኣቦታት ኣብ ናይ ሕይወቶም ቅድስናን ንጽሕናን ዝመስሎም ዘይብሎም ፣ ብሃይማኖቶም ፈለግ ናይ ሓዋርያት ዝተኸተሉ ነበሩ ። ምስ እዚ ኵሉ ድማ ኣብ ገቢረ ተአምራት ልዕል ዝበለ ዝና ዝነበሮም ነበሩ ። ናብቲ ጉባኤ ዕስራ ኣርዮሳውያን ኤጲስቆጶሳትን ፣ ዝተወሰኑ ኣርጌንሳውያንን ፣ ናይ ፍልስፍና ምሁራን ተጸዊዖም መጺኦም ነበሩ። ናይቲ ጉባኤ ናይ ክብሪ ፕረዚዳንት ንጉሠ ነገሥት ቆስጠንጢኖስ ዓቢይ ክኸውን ከሎ ፣ ነቲ ጉባኤ ብሊቀ መንበርነት ክመርሑ ዝተመርጹ ሠለስተ ሊቃነ ጳጳሳት ነበሩ ። ንሳቶም ድማ ፣ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት እለእስክንድሮስ ፣ ናይ ኣንጾኪያ ሊቀ ጳጳሳት ኤዎስጣቴዎስ ፣ ናይ ኮርዶቫ (ስጳኛ) ጳጳስ ኦስዮስ ነበሩ ። ብዚኃት ሊቃውንቲ ውን ናይቲ ጉባኤ ተኻፈልቲ ነበሩ ።

       ካብቶም ዝወሓዱ ኣዝዩ ዝተማህረን ፣ ኣዘራርባ ዝፈልጥን ብኦርቶዶክሳዊ ሃይማኖቱ ቀናኢ ዝነበረ ናይ እስክንድርያ ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ዲያቆናት ኮይኑ ንሊቀ ጳጳሳት እለእስክንድሮስ ከም ኣፈ ጉባኤ ዝነበረ ኣትናቴዎስን ፣ ግኑን ስም ዝነበሮ ናይ ቂሳርያ አውሳቢዮስ ነበሩ ። ከምኡ ውን ኣብ ዘመነ ስደት ቤተ ክርስቲያን ንሃይማኖቶም ክብሉ ብዙኅ ሥቓይ ዝተቐበሉ ፣ ዓይኖም ዝጠፍአ ፣ ኢዶም ወይ እግሮም ዝተቖርጸ ፣ ብቕድስናኦም ዝፍለጡ ኣቦታት ውን ነበሩ ። ካብዚ ብዝተፈልየ ብምንኵስናን ፣ ብሕትውናን መነባብሮኦም ዝፍለጡ ፣ ናይ ገረብ ሱርን ቆጽል ብምምጋብ ጥራይ ዝናበሩ ፣ ብገቢረ ተኣምራት ኣብ ክርስቲያናት ክቡራን ዝኾኑ ኣቦታት ውን ነበሩ ።                                                                                                                                            

  እቲ ጉባኤ መብዛሕትኡ ጊዜ ዝካየድ ኣብ ኒቅያ እትርከብ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ክኸውን ከሎ ፣ ሓሓሊፉ ውን ኣብ ኒቅያ ካብ ዝርከብ ቤተ መንግሥቲ ናይ ንጉሠ ነገሥት ቆስጠንጢኖስ ዓቢይ ይካየድ ከም ዝነበረ ይንገር ። እቲ ጉባኤ ኣብ ሠለስተ ክፋላት ዝተኸፍለ ነበረ ፣ እዚ ማለት ድማ ናይ መጀመርታ ኦርቶዶክሳውያን ፣ ቀጺሎም ድማ ኣርዮሳውያን ፣ ካብኡ ድማ መንፈቀ ኣርዮሳውያን ክኾኑ ከለዉ ፣ ናይ መጀመርታ ጉጅለ ዝነበሩ ኦርቶዶክሳውያን መራሕቲ ድማ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት እለእስክንድሮስ ፣ ሊቀ ዲያቆናት ኣትናቴዎስ ፣ ናይ ኣንጾኪያ ሊቀ ጳጳሳት ኤዎስጣቴዎስ ፣ ናይ ኮርዶቫ (ስጳኛ) ጳጳስ ኦስዮስ ፣ ናይ ኣንኪራ(ዕንቆራ) ኤጲስቆጶስ ማርሴሎስ ወዘተ ነበሩ።

ጸሓፊ በቀሲስ / ምክረ ሥላሴ ገብረ አማኑኤል

ትርጉም ዲያቆን ሓጎስ
ምንጪ ንምርካብ ጽሑፍ ኣብዙ ጠውቑ


Hagostesfa12@gmail.com 





No comments:

Post a Comment