መብዛሕትና ክርስትና ናይ ፍቕሪ ሃይማኖት ከም ዝኾነ ንኣምን ። ኣብ ነንሕድሕድና ይቕረ ክንበሃሃል ከምዘለና’ውን ንኣምን ። ግን ኣብ ውሽጢ ህይወት መብዛሕትና ብዝኾነ ምኽንያት ካብ ልብና ክወጽእ ዘይክእል ቂም ዝሓዝናሎም ሰባት ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም ። ይቕሬታ ምግባር ማለት ከኣ ኣብ መንገዲ እናኸድና ኣጋጣሚ ደፊኡና ንዝኸደ ሰብ (ይቕሬታ) ምስ በለና ሓራይ ምባል ጥራይ ኣይኮነን ። ይቕሬታ ምግባር ማለት ነቲ ብልና ኣምሪርና ዝተቐየማናዮ ፣ ርእስና ዘቝሰለናን ፣ ልብና ዝሰበረን ሰብ ካብ ልቢ ይቕረ ማለትን ፣ ምፍቃርን ፣ ስለኡ ምጻልይን ኢዩ ።
ኦ ፍቱወይ እስኪ ሓንሳብ ምንባብካ ኣቚምካ ዘክር ፣ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ልብኻ ይቕረ ክብሎ ዘይክእል ፣ ኣዝዩ ዘቐየመካ ሓደ ሰብ የለን? ጌና ንኽትሓስቦ ዝርብሸካ ፣ ስሙ ክለዓል ከሎ ዘንቀጥቅጠካ ሰብ የለን? ምናልባት ንሱ ዘብጽሓልካ በደላት ዘርዚርካ ዘይክትውድኦ ትኽእል ኢኻ ። ደጊምካ ዓይኑ ንዘይምርኣይ ብቑዕ ምኽንያት ክህልወካ ይኽእል ኢዩ ። እምበኣር (ይቕረ በለሉ ፣ ፍተዎ ፣ ኣፍቅሮ ስለ ንሱ’ውን ጸሊ) ዝተበሃልካ ንኸምዚ ዓይነት ሰብ ኢኻ ።
ምናልባት ካብ በደሉ ምድግጋም ዝተላዕለ <ክንደይ ጊዜ ይቕረ ክብሎ) ይቕረ እንተ ገበርኵሉ እናበኣሶን እናነዓቐንን ኣይኮነን?> ክትብል ትኽእል። እዚ ሕቶ’ዚ ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ነበረ < “ጎይታይ! ኃወይ እንተ በደለንስ ክንደይ ሳዕ ይቕረ ክብለሉ፧ ክሳዕ ሾብዓተዶ፧” ኢሉ ምስ ሓተተ ፣ ጎይታ “ሾብዓተ ሳዕ ሰብዓ ደኣ እምበር ክሳዕ ሾብዓተ ኣይብለካን” ኢሉ መሊስሉ ነበረ (ማቴ ፲፰፡፳፩) ። ኣርባዕተ ሚኢቲን ተስዓን ግዜ ጥራይ ይቕረ በሎ ማለቱ ዘይኮነስ ፍጹም እንተ በደለካ ፍጹም ይቕረ በሎ ክብል ኢዩ ። እዚ እንተበዝሓካ ፈጣሪ ይቕረ ክብለካ ከምቲ እትደልዮ መጠን ጥራይ ንሓውኻ ይቕረ በሎ ፣ “እንተ ሞትኩ ይቕረ ኣይብሎን” ትብል እንተ ኮይንካ ግን ብሞቱ ይቕረ ዝበለካ ኣምላኽ ፣ ሕማሙን መከራኡን ዝነግር መጽሓፍ እንታይ ክጠቕመካ ኢልካ ትሓስብ ፧
እቲ ሰብ ምንም እኳ እንተ በደለካ ከም ኣይሁድ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኣይሰቐለካን ፣ “ኣረ ኣብ መስቀል ካብ ምሽንካር’ውን ኣይንእስን” ትብል እንተ ኮይንካ ግን ጸላኢኻ ከም ኣይሁድ እኳ እንተ ከፍኣካ ንስኻ ግን ከም ክርስቶስ ንጹሕ ኣይኮንካን ። ንጹሕ ክርስቶስ ግን ኣኽሊል እሾኽ ካብ ርእሱ ከይወረደ እንከሎ ፣ እቲ ዝሸንከሮ መስማር ካብ ውሽጢ ኣእዳዉ ከይወጽአ “ኦ ኣባ ሥረይ ሎሙ በዘኢየአምሩ ይገብሩ ፣ ኦ ኣቦይ ዝገብሮ ኣይፈልጡን እሞ ይቕረ በለሎም” እናበለ ኣይረአየካን ፧
ይቕሬታ ምግባር ናይ ተሸናፍነት ምልክት ኣይኮነን ። ኣሸናፊ እግዚኣብሔር ኣብ መስቀል ኮይኑ ይቕሬታ ዝገበረ ኃይሊ ስኢኑ ኣይኮነን ። ንኵላቶም ስለቲ ድፍረቶምን ንዕቀቶምን ብቕጽበት ከጥፍኦም ይከኣሎ ኢዩ ። ከም ሰብ ባቢሎን ነቶም ዘሳቕይዎ ብቛንቋ ከምዘይረዳድኡ ክገብሮም ይኽእል ኔሩ ። ንሱ እኳ ከምኡ እንተ ዘይገብረ ብድንጋጼን ፣ ብምግራምን ብኣርምሞን ፈዚዞም ንዝምልከትዎ ናይ ሰማይ ኃይላት ቅዱሳን መላእኽቱ ክእዝዞም ይኽእል ኔሩ ። “ይመስለከኑ ዘኢይክል ኣስተብቍዖቶ ለኣቡየ ይፈኑ ሊተ ዘይበዝኁ እምዐሠርቱ ወክልኤቱ ሠራዊተ መላእክት” ‘ኣነ ነቦይ ክልምኖ ዘይከኣለኒ ፣ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሠርተው ክልተ ሠራዊት ዚበዝኁ መላእኽቲ ብቕጽበት ክሰደለይ ዘይክእሎ ዶ ይመስለካ፧ ከም ዝበለ ናብ ኣቦኡ “ይቕረ በሎም” ኣብ ክንዲ ምባል ንጥፍኣት ዝተአዘዙ መላእኽቲ ክጽውዕ ይኽእል ኔሩ ። (ማቴ ፳፮፡፶፫)
ብርግጽ ኣብ መስቀሉ ዙርያ ንዝነበሩ ጸላእቱ ንምጥፋእ ጭፍራ መላእክቲ ኣየድልዮን ፣ ሓደ መልኣኽ ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤል ሚኢትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ሰራዊት ሰናክሬም ሰይፊ ከይመዘዘ ብግርማኡ ጥራይ ከም ቆሎ ምርጋፎም ኣይርሳዕን ። (፪ነገ ፲፱፡፴፭) ናይ ቅዱስ ሚካኤል ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ሰራዊተ መላእኽቱ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ንኸጥቅዑ ኣይፈተወን ። በዚ ምኽንያት እዛ ዕለት እዚኣ ንመላእኽቲ ኣዝያ እተጨንቕ መዓልቲ ኔራ ። ፈጣሪኦም ብፍጡራቱ ምራቕ ክትፈኣሉ ፣ ርእሱ ብበትሪ ክህረም ርእዮም ኣንቀጥቀጡ ፣ ‘ቅዱስ ኃያል’ እናበሉ ዘመስግንዎ ኣምላኽ ጸርፊ ክወርዶ ርእዮም ዝገብርዎ ጠፍኦም ።
ሓደ እዋን ሳሚ ዝተባህለ ካብ ዘመድ ሳኦል ዝኾነ ሰብ ንንጉሥ ዳዊት “ ኣንታ ዘይጠቅም ናይ ደም ሰብ” እናበለ እምኒ ይውርውረሉ ነበረ ። ነዚ ዝርእዩ ዝነበሩ ናይ ንጉሥ ዳዊት ኃያላት ዓሳኽር “እዚ ምዉት ከልቢ ከመይ ኢሉ ንንጉሥ ይረግም ክኸይድ ርእሱ ክቖርጾ” እናተበሃሃሉ ክበሳጨዉ ንጉሥ ዳዊት ግን ሓንቲ ነገር ከይገብሩ ስለ ዝኸልከሎም እቶም ኃያላት ዓሳኽር ንጉሥ እናተበሳጨዉ ስቕ በሉ ። (፪ሳሙ ፲፮፡፮-፲)
ኃያላት ወተሃደራት ጎይታኦም ዳዊት ዋላ እኳ እንተ ተጸርፈ ፣ እንተ ወሓደ ኣብ ውሽጢ እቲ ጸርፊ ንዳዊት ይጽረፈኒ ዘብል ሓቂ ነበሮ ። ናይ ክርስቶስ ኃያላን መላእኽቲ ግን ብዕለተ ዓርቢ ሓንቲ በደል ዘይብሉ ንጹሓ ባሕርይ ጎይታ ክጽረፍ እናረአዩ ዋላሓንቲ ክገብሩ ብዘይምኽኣሎም ብጭንቀት ተሳቐዩ ። መላእኽቲ ብናይ ወዲ ሰብ ዓቢይ ድፍረትን ፣ ብናይ ፈጣሪኦም ዓቢይ ትዕግስትን ተጨነቑ ። ኣብ መወዳእታ ኣይሁድ ንጎይታ ናብ ቀራንዮ ኮረብታ ወሲዶም ኣብ ዝሰቐልዎ ጊዜ “ሚካኤል ስቕ በለ ፣ ገብርኤል ተገረመ” (ኣመ ይሰቅልዎ ኣይሁድ ለእግዚእ ሚካኤል ኣርመመ ፣ ወገብርኤል ተደመ) ከም ዝበለ ቅዱስ ያሬድ ።
ዝርአ ጥራይ ዘይኮነስ ዘይርአ ናይ ቀራንዮ ክስተታት ብቕድስናኣ እትርኢ ሰማያዊት ቤተ ክርስቲያና ኣብ ዕለታዊ ቅዳሴኣ ብዕለተ ዓርቢ ኵነታት ናይ መላእኽቲ ከምዚ ክትብል ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ምስ ዝፍጸም ነገራት ኣተሓባቢራ ትዝክሮ ።
“ ሰራዊተ መላእክቲሁ ለመድኃኔ ዓለም ይቀውሙ ቅድሜሁ ለመድኃኔ ዓለም ፣ ወይኬልልዎ ለመድኃኔ ዓለም ሥጋሁ ወደሙ ለመድኃኔ ዓለም ፣ ወንብጻሕ ቅድመ ገጹ ለመድኃኔ ዓለም በኣሚነ ዚኣሁ ለክርስቶስ ንገኒ”
“ንመድኃኔ ዓለም መላእክት ሠራዊት ንመድኃኔ ዓለም ኣብ ቅድሚኡ ይቖሙ። ንመድኃኔ ዓለም ከቢቦም የመስግንዎ ፣ ንመድኃኔ ዓለም ሥጋኡን ደሙን ። ናብ ቅድሚ ገጹ ንመድኃኔ ዓለም ክንቀርብ ንዕኡ ብምእማን ንክርስቶስ ነገልግሎ ኣሎና”።
ናይ መድኃኔ ዓለም ሠራዊተ መላእክቱ ኣብ ዙርያ መስቀሉ ከም ሻሽ ተነጺፎም ብድፍረት ኣይሁድ ዕርቃኑ ዝሰቐልዎ ጎይታ በኽናፎም ሥጋኡ ጋረዱ ፣ “ንስኻ ኃያልን ምስጉንን ስቡሕን ኢኻ እሞ ንዘለዓለም ዓለም ምስጋና ንዓኻ ይኹን” ካብ ምባልን ንቕድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዝገዝኣ ክቡር ደሙ ብናይ ብርሃን ጽዋዕ ካብ ምቕባልን ሓሊፎም ኣብ ሰቐልቲ ጎይታ ኣይሁድን ሮማውያንን ወላ ሓንቲ ክፉእ ነገር ከይፍጽሙ “ናይ ኣብ ምሕረት ፣ ናይ ወልድ ትዕግሥቲ ፣ ናይ መንፈስ ቅዱስ ለዋህነት ከልከሎም”መድኃኔ ዓለም ኣብ ክንዲ ጸላእቱ ምቕታል ብዓው ዝበለ ድምጺ “ዝገብርዎ ኣይፈልጡን ኢዮም እሞ ይቕረ በለሎም” በለ ። ክብርን ምስጋናን ንዓኻ ንልዑል ፈጣሪ ሎምን ንዘንትዕለትን ይኹን ።
ስቕለት ፱-፰-፳፻፲፪(17-04-2020)
(ሕማማት ምዕራፍ 6)
ዲያቂን ሄኖክ ኃይለ
qale hiwet yasemalin
ReplyDelete