19 April 2018

ጎይታ ዝሞተ ብስጋ ድዩ ወይስ ብመለኮቱ




ነገረ ትንሣኤ

ጎይታ ዝሞተ ብስጋ ድዩ ወይስ ብመለኮቱ


ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ንቕድስቲ ድንግል ማርያም ብድንግልና ጸኒሳ ብድንግልና ከምእትወልድ ከብስራ እንከሎ "ከም ቃልካ ይኹነነለይ'' ኣብ ዝበለት ጊዜ መለኮትን ትስብእትን ክልተነት(ምንታዌ) ኣጥፊኦም በአካልን ብባሕርይን ተዋሐዱ ። መለኮት ባሕርያዊ ዕብየቱ ከይለቐቐ በብንእሽቶ ምዕባይ ካብ ስጋ ገንዘቡ ገበረ ፣ ሥጋ ድማ ባሕርያዊ ምንአሱ ከይለቐቐ ካብቶም ሰለስተ አካላት ከም ሐደ ኮነ (ዘፍጥረት ፫፣፳፮) ። እዚ ተዋሕዶ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ዘግዝአ ተዋሕዶ እዩ ።
     ምጥማይ ፣ ምጽማእ ፣ ሞት ፣ ድኽነትን ከምዚኣቶም ዚኣመሰሉን ኵሉ ብዘይ ተዋሕዶ ንመለኮት ክሰማምዑ ኣይክእሉን እዮም። ብኣንጻሩ ድማ በዓል ጸጋ ፣ ሕይወት ፣ ዘለዓለማዊ መንግሥት ፣ የማነ አብ ፣ ዝባነ ኪሩብ ፣ከምዚኦም ዝኣመሰሉን ኵሎም ንሥጋ  ክንገሩ ዝግባእ ኣይነበሩን ፣ ብምኽንያት ተዋሕዶ ግን ናይ መለኮት ንሥጋ ፣ ናይ ሥጋ ድማ ንመለኮት ሂብና ክንዛረብ ይገብረና ። ቅዱስ ቄርሎስ ኣብ ድርሳኑ “ እንቲኣሁ ለሥጋ ኮነ ለቃል ፣ ወእንቲኣሁ ለቃል ኮነ ለሥጋ፣ ናይ ሥጋ ገንዘብ ንቃል ፣ ናይ ቃል ገንዘብ ድማ ንሥጋ ኮነ” ኢሉ ምዝራቡ ፍጹምነት ናይ ተዋሕዶ ንምግላጽ እዩ ።

     ቅዱስ ቄርሎስ ነዚ ምስጢር ንምርዳእ ዝተጠቕመሉ ምሳሌ ናይ ሓጺንን ሓውን እዩ ።  ሓጓዳይ (ሰራሒ ሓጺን ) ንሓጺን ምስ ሓዊ ምስ ኣራኸቦ እቲ ሓጺን ናይ ሓዊ ባሕርይ ገንዘቡ ይገብር(ናይ ሓዊ ባሕርይ ይወስድ) ። ኣብዚ ግዜ መልክዑን ውዕየቱን ናይ ሓዊ ፣ ቅርጹን መጠኑን ድማ ናይ ሓጺን ይኸውን ። ሓጓዳይ ብሞደሻ ጌሩ ክቕጥቆ እንከሎ እቲ ክተሐዝ ዘይከአል እሳት ( ሓዊ ) ምስቲ ሓጺን ተዋሒዱ ክቕጥቀጥ ንምልከት ። ሓዊ ምስ ሓጺን እንተዘይወሐድ ኔሩ ንሓጺን ምልዛብ ( ምስትኽኻል ) ኣይከአልን ነበረ ። መለኮት ምስ ሥጋ ኣብ ዝተወሓሓደሉ ጊዜ ክሕዝዎን ክጭብዎን ዘይክእሉ እሳተ መለኮት ተታሒዙ ተገርፈ ። መለኮት ብሥጋ መከራ እንተ ዘይቅበል ኔሩ ናይ ሰብ ባሕርይ ምስ እግዚኣብሔር ከመይ ጌሩ ክዕረቕ ይኽእል፧ ኃጢኣት ንዘዝሓሎ ባሕርይና ዘስተኻኸሎ መለኮት ብሥጋ ዝተቐበሎ መከራ እዩ ። ከምዚ እንተ ዘይከውን ኔሩ ካብ ኣቤል ጀሚሮም ብግፍዒ ዝተቐትሉ ብዙሓት ቅዱሳን መከራኦም ንምንታይ ዘየታዓርቐና ። ናይ ዕሩቕ ብእሲ *( መለኮት ዘይተዋሃዶ ሰብነት ማለት እዩ) ደም ንወዲ ሰብ ካብ ኃጢኣት ከንጽሖ ብዘይምኽኣሉ ነበረ ። ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ሞት ወልደ እግዚኣብሔር አብ ዝገለጸሉ ቅዳሴኡ “ ኦ ኣእዳው እለ ለኃኳሁ ለአዳም ተቀነዋ በቅንየተ መስቀል ፣ ኦ ኣእጋር እለ አንሶሰዋ ውስተ ገነት ተቀነዋ በቅንዋተ መስቀል ፣ ኦ አፍ ዘነፍሐ ውስተ ገጹ ለአዳም መንፈሰ ሕይወት ሰረበ ብሒኣ ፣ ንኣዳም ዝሰርሑ ኣእዳው ብመስማር ተሸንከሩ ፣ ኣብ ገነት ዝተመላለሳ ኣእጋር ብመስማር ተሸንከሩ ፣ ናብ ኣዳም ናይ ሕይወት እስትንፋስ ኡፍ ዝበለ አፍ መሪር ሓሞት ሰተየ” ብምባል የድንቕ ። ንኣዳም ዝሰርሕዎ ናይ መለኮት ኣእዳው ወይስ ናይ ሰብነት ፧ ኣብ ገነት ክመላለሱ ኣዳም


     ዝሰምዖም ኣእጋር ናይ መለኮት ወይስ ናይ ሰብነት ፧ ናብ ኣዳም ናይ ሕይወት  እስትንፋስ ኡፍ ኢሉ ውሉድነት ዘሕደረ መን እዩ ፧ ሥጋ ከይንብል ሊቅ ዝዛረብ ዘሎ ቅድሚ ተዋሕዶ ዝተፈጸመ ታሪኽ እዩ ፣ መለኮት እዩ ከይንብል መለኮት ኢዱን እግሩን ብመስማር ክህረም ፣ አፉ ኣይኮነን መሪር ምቁር’ውን ክሰቲ ዘይክእል ንጹሕ ባሕርይ ኢዩ ። ናይቲ ሊቅ ቃል ይመልሰና እሞ መለኮት ብሥጋ መከራ ከምዝተቐበለ የረድኣና ። ከም ሰብነቱ “ ተሸንከረ ፣ መሪር ሰተየ ፣ ንብል ። ከም አምላኽነቱ ድማ  ፈጣሪ አዳም ከምዝኾነ ንነግር ።

     ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ዝተዛረቦ ቃል እቲ ቀዳማዊ ደኃራዊ ፣ እቲ ደኃራዊ ድማ ቀዳማዊ ምዃኑ እንርድአሉ አንቀጽ እዩ ። ኣብ ጥንተ ፍጥረት ዘይነበረ ሥጋ ፈጣሪነት ብተዋሕዶ ገንዘቡ( ሃብቱ) ገበረ። ንዓለማት ዝፈጠሩ መለኮታውያን ኣእዳው ድማ ብሥጋ መከራ ተቐበሉ ። ስለዚ ናይ ቀራንዮ መስቀል መለኮት ምስ ሰብነት ፣ ሰብነት ድማ ምስ መለኮት ሓደ አካል ሓደ ባሕርይ ብምዃኑ ዝተቐበሎ’ምበር ንሥጋ ጥራይ ዝወሃብ ኣይኮነን ። እቲ መከራ ዝተቐበለ መለኮት ጥራይ እንተዝኸውን ኔሩ ኣይሁድ ከመይ ጌሮም መስቀል ከሸክምዎ ክኢሎም ፧ ከመይ ኢሎም ኣብ ገጸ መለኮቱ ደው ኢሎም ከላግጽሉ ይኽእሉ ። ብብርሃን ዝተኸበ ፣ መላእክትን ፣ ቅዱሳን ሓዋርያትን እኳ ፊቱ ክርእዩ ዘይክእሉ(ማቴ ፲፯፣፩-፱) ። ንመለኮትከ መስዋዕቲ ኣብ  ዝኾነሉ እዋን ሃብቲ ሥጋን ደምን ኣለዎ ድዩ ፧ መለኮት ንበይኑ እንተዝስቀል ኔሩ ደም ከመይ ክፈስስ ይኽእል ። ሥጋስ ካበይ መጺኡ “እንኩ ብልዑ እዚ ሥጋይ እዩ” ክንበሃል ንኽእል ። (ዕብራውያን ፲፣፩-፲፱) ።     

     ሞት ብኣዳም ምኽንያት ናብ ዓለም ከምዝአተወ ፣ ንሞት ዝቐትል ሞት ድማ ብዳግማዊ አዳም ብክርስቶስ ኮነ ። መለኮት ብሥጋ ዝሞቶ ሞት ደኣ’ምበር ንሞት ዝቐተለ ናይ ዕሩቕ ሰብነት ሞት ጥራይ ኣይነበረን ። ደም ናይ ዕሩቕ ሰብነት ከመይ ጌሩ ሥርየት ክህበና ይኽእል ፧ ናይ ዕሩቕ ሰብነት ሥጋኸ ከመይ ጌሩ “ወሃቢ ሕይወት” ክኸውን ይኽእል ፧ ሞት ዘምጽአ ሥጋ ሕጂ ግን ንሙታን ሕይወት ዝዕድል ናይ ሕይወት ምንጪ ኮነ ( ዮሓ ፬፡፲) ። ንዅሉ ሒዙ ዝሞተ ሥጋ አዳም ሕጂ ንዅሉ ሕይወት ሃበ ። መቓብር ዝገዝኦ ባሕርይና ሕጂ ንኹሉ ኣብ ትሕቲ እግሩ ገዝአ ። ናይዚ ኵሉ ምኽንያት ምስጢረ ተዋሕዶ ኢዩ ። ስለዚ መለኮት ብሥጋ ሞተ ፣ ሥጋ ድማ  ብመለኮት ሕያው ኮነ ኢልና ንዛረብ ንምህር ። ቅዱስ ጴጥሮስ “ ሞተ  በሥጋ ፣ ወሐይወ በመንፈስ ፣ ብሥጋ ሞተ ብመንፈስ ግና ሕያው  ኮነ” ኢሉ ምዝራቡ ድማ ናይዚ ምስክር እዩ (፩ይ ጴጥ ፫፣፲፰) ። ኣብ መልክዐ ኢየሱስ “ ሰላም ለበድነ ሥጋከ እመለኮቱ ዘኢተፈልጠ ፣ ለሰዓት አሐቲ ከመ ቅፅበተ ዐይን ኅዳጠ ፣ ንቋሕ ሰም እኳ ዘይትአክል ካብ መለኮቱ ዘይተፈልየ በድኒ ሥጋኻ ሰላም እብሎ” ይብል። ብዕለተ ዓርቢ ኣብ መስቀል ዝወዓለ ናይ ክርስቶስ ሥጋ ካብ መለኮቱ ኣይተፈልየን ፣ ብርግጽ ሕይወተ ሥጋ ነፍሲ ስለዝተፈልዮ እቲ ሥጋ "ምዉት" ወይ ከአ "በድን" ተባሂሉ ተሰምየ ። ይኹን ደኣ ምበር ጎይታና ብመለኮታዊ ባሕርዩ ሞት አየስግኦን ኣይሰማምዖን ። ስለዚ ሕያው ሥጋ እዩ ። ሕያው ከምዝኾነ ድሕሪ ሞቱ ለንጊኖስ ብዂናት ኣብ ዝወግኦ ግዜ ደምን ማይን ካብ ጎኑ ከምዝፈሰሰ ነረጋግጽ ። ካብ ዝሞተ ሰብ ደም ክወጽእ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ስለዘይኮነ ። ምዉትነቱ ድማ “ ኦ ኣቦይ ነፍሰይ ኣባኻ ኣማዕቍባ ኣለኹ” ኢሉ ነፍሱ ብፍቓዱ ከምዝሃበ ነረጋግጽ ።

    ብአጠቓላሊ ቃል(ወልድ) ሥጋ ምዃን ዘፈተወ ናይ ሥጋ ድኻም ንምሕጋዝ ፣ ብናይ ሥጋ ድኻም ጠንካራ ንዝኾነ ዲያብሎስ ንምሽናፍ ኢዩ። ከምዚ ብምዃኑ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓለማት ኣብ ወዲ ሰብ ዝበጽሑ ዝነበሩ ጸገማት ብኣካል ተረኺቡ ኣስወገደሉ ፣ ንሳቶም ድማ ፩ይ ማኅፀነ ኣንስት ፪ይ ምድር ፫ይ መቓብር ፬ይ ሲኦል ኢዮም ።

     ምርካስ (ርኽሰት ) ንጅምረሉ ዝነበርና ማኅፀን ፣ ቅድስና ከም ዝጀመርና መረጋገጺ መታን ክኾነና ኣብ ማኅፀን ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ናይ መላእክት ቅዳሴ ይስማዕ ነበረ ። ማኅፀን ጓል ኣንስተይቲ ናይ ወዲ ሰብ ርኽሰት ዝጅምረሉ ዓለም ነበረ ፣ ሕጂ  ( ጎይታና ምስ ተወልደ ) ግን “ቅዱስ ቅዱስ ቅድስ” እናተባህለ ዝምስገነሉ ቦታ ኮነ ። ኣንስቲ ካብ ዝወለዳኦም ኵሉ ንሕዝቡ ካብ ሓጢኣት ከድሕኖም ዝኽእል ኣይነበረን ፣ ርኽሰትና ካብ ዝጅምረሉ ካብ ማኅፀን ጀሚሩ ፣ ክሳብ እታ ናይ ርኽሰትና ዋጋ ዝኾነት ሲኦል ኣብ ዝኸድናዮ ከይዱ ኃጢኣትና ኣወገደልና ። እዚ ኵሉ ክገብር ከሎ ግን መለኮት ካብ ሥጋ ዝተፈልየሉ ሓንቲ ግዜ ከምዘየለ ንኣምን።

     “ጠመኹ” (ሉቃስ ፬፡፪) ኢልካ ምዝራብ ንሥጋ ጥራይ ዝምልከት እኳ እንተኾነ ፣ መለኮት ድማ በቲ ዝተወሓዶ ሥጋ ከም ዝጠመየ ንዛረብ ። ሕብስቲ ኣበርኪቱ ክምግብ ዝከአሎ ነቲ በዓል ጸጋ ዝኾነ  መለኮት እኳ እንተኾነ ንሥጋ’ውን እዚ ተገብኦ ። እታ ሳምራዊት ሰበይቲ ንጎይታና ማይ ኣብ ዝኸልኣቶ ግዜ “እቲ ኣስትይኒ ዝብለኪ ዘሎ መን ምዃኑ እንተ ትፈልጥስ ንስኺ ምለመንክዮ ንሱ ድማ ናይ ሕይወት ማይ ምሃበኪ ኔሩ”(ዮሐ ፬፣፲) ክብል ዝሰማዕናዮ ብሥጋ  እዩ ። ንገዛእ ርእሱ ዘይብሉ ንካልእ ምሃብ ስለዝጀመረ ፣ ሞት እንተ ኢልና’ውን ንሥጋ ጥራይ ዘይኮነ መለኮት’ውን ብሥጋ ከምዝሞተ፣ መለኮት ኣብ ናይ ሥጋ መቓብር ከምዝሓደረ ንነግር ። እዚ ክንብል ከለና ግን ንባዕሉ ሞይቱ ንሙታን ሕይወት ዝህብ ሙዃኑ ከይረሳዕና እዩ ። ነዚ’ዩ ድማ ሊቁ ቅዱስ  አግናጥዮስ “ውእቱ ውስተ መቃብር ፣ ወያነሥእ ሙታነ ፣ ንሱ ኣብ መቓብር እናሃልወ እንከሎ ንሙታን ኣተንሥአ” ክብል ዝተናገረ ። (ሃይማኖተ
ኣበው ፲፩፣፬) ።


ጸሓፊ ሊቀ ሊቃውንት ስምዐ ኮነ መልአክ
ተርጓሚ ዲያቆን ሓጎስ
ይቕጽል.....

19-04-2018