22 March 2018

ኦ ኣንቱም ድኻታትን ሃብታማትን፣ ብሕብረት ዘምሩ!


በሰመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስን አሐዱ አምላኽን አሜን። 
ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ኣብ 4 ክፍለ ዘመን ዝጸሓፈ መልእክቲ ኮይና፣ ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ በዓል ፋሲጋ ማለት ኣብ ዕለት ትንሳኤ ድሕሪ ሊጦን እትንበብ፣ ብልጽቲ መጸናንዒት መልእክቲን እያ። ኣብ መጽሓፈ ሕማማት ብግእዝ ፈቲሸ ኔረ ግን ክረኽባ ኣይከኣልኹን።
“ንእግዚአብሔር ብሙሉእ ልቡ ዘፍቅሮን ዝግዝኦን እንተደኣ ሃልዩ፣ ሎሚ በዛ ኣዝያ ክብርቲ፡ ጽብቕቲን ብርሃናዊትን በዓል ይተሓጎስ። እሙን ኣገልጋሊ እንተደኣ ኮይንካ፣ ብባህታ ናብ ሓጎስ ጐይታኻ እቶ። ብጾም ነፍሱ ዘድከመ እንተሃልዩ፣ ዓስቡ ይቀበል። 
ካብ ቀዳመይቲ ሰዓት ጀሚሩ ዝሰርሐ እንተደኣ ሃልዩ፣ ግቡእ ክፍሊቱ ይርከብ። ኣብ ሳልሰይቲ ሰዓት ዝመጽአ እንተሃልዩ፣ ብኣኰቴት በዓሉ የብዕል። ኣብ ሻዱሸይቲ ሰዓት ዝኣተወዉን፣ ምንም ኣይስኣን፣ ምኽንያቱ ዝጐድሎ ነገር ስለዘየለ። ክሳብ ታሽዐይቲ ሰዓት ዝዶንገየ ዉን፣ ከየተወላወለ ይቕረብ ። እቲ ኣብ ሰዓት ዓሰረተሓደ ዝመጽአዉን፣ “ዶንግየ” ኢሉ ኣይፍራሕ፣ ምክንያቱ ጐይታ ሕያዋይ እዩ።ነቲ ዳሕረዋይ፣ ከምቲ ቀዳማይ ጌሩ ዝቅበል እዩ። ነቲ ሰዓት ዓሰርተሓደ ዝመጽአ፣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳመይቲ ሰዓት ዝመጽአ ጌሩ፣ ዕረፍቲ ይህብ።