04 May 2018

ኣርዮስን ተኸተልቲ ኣርዮስን ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዘምጽእዎ ሽግር ።

  Part 2
             ሓደ ለይቲ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብራእይ ብኣምሳል ሓደ ከም ጸሓይ ዘንጸባርቕ ጻዕዳ ቀሚሽ ዝለበሰ ቆልዓ ተገሊጹ ተራእዮ ። እቲ ዝለበሶ ልብሲ ኣብ ክልተ ዝተቐደደ ኮይኑ ምስ ረአዮ ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ደንጊጹ ንጎይታ “መኑ ሰጠጣ ለልብስከ ፣ ልብስኻ መን ቀደደልካ” ኢሉ ሓተቶ ። ጎይታ ድማ “ኣርዮስ ንልብሰይ ቀደደለይ” ኢሉ መለሰሉ ። እዚ ማለት ድማ አርዮስ ካብ ናይ ባሕርይ ኣቦይ ካብ ኣብ ፈለየኒ (ኣንኣሰኒ) ማለት ኢዩ ። ጎይታ ከኣ ንኣርዮስ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ኣብ ናይ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ንኸይቅበሎ ንቅዱስ ጴጥሮስ ኣዚዙ ተሰወሮ ። ተፍጻሜተ ሰማዕት ቅዱስ ጴጥሮስ ነዚ ራእይ እዚ ዝረአየ ብናይ ዲዮቅልጥያኖስ ስደት ንኽቕተል ተአሲሩ ኣብ ዝነበረሉ ወቕቲ ነበረ። አርዮስ ከኣ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝቕተል ፈሊጡ ካብ ውግዘቱ ከይፈትሖ ከይመውት ካብ ውግዘቱ መታን ክፈትሖ መማለድቲ ለአኸሉ ። ተፍጻሜተ ሰማዕት ቅዱስ ጴጥሮስ ግን አርዮስ “ብሰማይን ብምድርን ዝተወገዘ ይኹን”

01 May 2018

ኣርዮስን ተኸተልቲ ኣርዮስን ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዘምጽእዎ ሽግር ።

      Part 1       
ኣርዮስን ተኸተልቲ ኣርዮስን ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዘምጽእዎ ሽግር ።


ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ውሽጢ እተን ቀዳሞት ኣርባዕተ  ሚኢቲ ዓመታት ብብዙኅ መአዝናት ዝተፈላለዩ ሽግራት ስለዝገጠምዋ ኣዝያ ትሳቐ ነበረት። ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን  ዝበጽሑ ሽግራት ካብ ክልተ መአዝናት ዝመጹ ነበሩ ። ቀዳማይ ካብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ክኸውን ከሎ ካልኣይ ድማ  ካብኣ ካብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ነበሩ ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ግዜ መብዛሕትኡ ካብቶም ካብ ወገን ኣሕዛብ ዝኾኑ ነገሥታት ዝመጽእ ክኸውን ከሎ ፡፩ይ ናይ መንግሥቲ ሮማ ገዛእትን ፣ ኣበየ ክፍላተ ሃገሩ ዝነበሩ ናቶም ወከልትን ክርስቲያናት ነቶም ንሳቶም ዘምልኽዎም ዝነበሩ ጣዖታት ስለዘይቅበሉን ጨሪሶም ውን ስለዘውግዝዎምን ፡