ሰላም
ሰላም ማለት ጸጥታ ፣ ዕረፍቲ ፣ ርግኣት ፣ ዕግበት ማለት ክኸውን ከሎ ፣ ኣብ ነንሕድሕድካ ምስምማዕ ፣ ሓቢርካ ምንባር ምኽአል ናይ ዕረፍቲ ስምዒት ከም ዝኾነ ናይ መጽሐፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት የረድኣና ። ነቢይ እግዚኣብሔር ዳዊት ከምዚ ይብል “ ንሰላም ድለያ ፣ ሰዓባ ውን’ ኢሉ ቅድሚ ምዝራቡ ፣ ናብ ክፍሊ መጽሐፍ እቲ ዘልዓልናዮ ኃይለ ቃል ምሉእ ሓሳቡ ንምርዳእ ምልስ ኢልና ምስ እንምልከቶ ከምዚ ዝብል ቃል ንረክብ “11ደቀየ ፍርሃት እግዚኣብሔር ክምህረኩምሲ ንዑ ስምዕኒ። 12ህይወት ዝፈቱ ጽቡቕ መዓልታት ክርኢ ዝደሊ ሰብ መን ኣሎ ፣ 13መልሓስካ ካብ እከይ ፣ ኸናፍርካ ውን ካብ ምዝራብ ጥልመት ሓሉ ። 14ካብ እከይ ርሐቕ ሰናይ ከአ ግበር ፣ ንሰላም ድለያ ሰዓባ ውን” ይብል ። መዝ 34፡11-14
ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ሰላም እንደልየሉ ምኽንያት ኣብዚ ዝረአናዮ ኃይለ ቃል ገሊጽልና ። ከም ኣቦነቱ ደቂ እግዚኣብ ሔር ንዝኾንና ንዓና ከስተምህረና ዝተፈቕደሉን ፣ ቅዱስ ዳዊት ንባዕሉ ነዚ ነገር እዚ ገንዘቡ ስለ ዝገበረ ብእግዚኣብሔር ከም ልበይ ተባሂሉ ዝተመርጸሉን ጥበብ ስለዝኾነ ንዓና ከካፍለና ከሎ “ንእግዚኣብሔር ምፍራህ ከስተምህረኩም ኢየ በለ ። ምኽንያቱ ንእግዚኣብሔር ምፍራሕ ቅድሚ ኩሉ ስለዝኾነ ። ነዚ ኢዩ ድማ ኣቦን ወድን ( ቅዱስ ዳዊትን ፣ ሰለሞንን) ተቐባቢሎም መጀመርታ ናይ ጥበብ ንእግዚኣብሔር ምፍራሕ ምዃኑ ዝነገሩና ። መዝ 111፡10 ፡ ምሳሌ 1፡7 ፡ ምሳሌ 9፡10 ።