ነገረ ክርስቶስ
ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል
በዓለ ትንሣኤ “ፋሲካ” ተባሂሉ ዝተጸውዓሉ ምኽንያት
በዓል ፋሲካ ብቛንቋ እብራይስጥ “ፓሳህ” ይበሃል ። ትርጒሙ ከኣ “ምሕላፍ ፥ ” ማለት ኢዩ ። ምኽንያቱ በዓለ ትንሣኤ ቀዳማይ ሞት ካብ መንበሪ እስራኤላውያን ዝሓለፈሉ ስለዝኾነ ኢዩ
። ፈርዖን ግብጺ ብጥምየት ንኸይትህረም ዝገበሮ እኳ እንተ ዘይሃለወ እቲ ስደተኛን ናብ እሱር ቤት ዝወረደን ቅዱስ ዮሴፍ ግን እቲ
ናይ ሞት ጥሜት ናብ ግብጺ ንኸይኣቱ ከልከሎ ። ኣብ መጨረሽታ ግን ዮሴፍ ምስ ሓለፈ ናይ ቅዱስ ዮሴፍ ታሪኽ ዘይፈልጥ ካልእ ፈርዖን
ምስ ተሾመ እሞ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ናይ ሞት ሕጊ ኣውጽአ ። (ዘፀ ፩፥፲፩) ።